2009-10-03 14:01:48

ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪታት ኅብረት


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ፓሪስ ናብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኅብረት ቤት ምኽሪታት ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጵ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብቲ ናይ ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪታት ኅብረት ሊቀ መንበር ብፅዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ክታም ዝተነበረሉ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፣ ኣብቲ መልእክቲ፣ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስትያንን መግንሥትን ዘሎ ፍልልይን ልኡላውነትን ዝተረጋገጸ ምዃኑ ሓቢሮም እዚ ማለት ግን እምነት ኣብ ማኅበራዊ ጉዳይ ዘይንበር ማለት ከምዘይኮነን፣ እምነትካ ኣብ ዝኾነ ማሕበራዊ መዳይ ዝንበር ኢዩ፣ ኣቲ ኣብ መንጎ መንግሥትን ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ፍልልይ እምነትካ ኣብ ማሕብራዊ ጉዳይ ምንባር ዘወግድ ማለት ኣይኮነን ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ቤተ ክርስትያን በቲ ሓቂ ናይ ምብሳር ተልእኾኣ ሚዛን ጸዋዕታን ክብርን ሰብ ዘማእከል ኅብረተሰብ ክረጋገጽ ከምእተተባብዕን ከምእትሓንጽን ኣመልኪቶም፣ ምእንቲ’ዚ መነባብሮን ናብራን ደቂ ሰባት ብፍቕሪ ዝተነቓቐሔን ዝተደረኸን ክኸውንn በዚ ዓይነት ጉዕዞ ስድራ ሰብ ዝጓዓዘላ ናይ እግዚኣብሔር ከተማ ክህሕነጽ ትዓዪ ኢሎም።

እዚ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስትያን ሃገራት መንግሥታት ኤውሮጳን ዘሎ ርክብ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝዝቲ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት፣ እቲ ኣብ መንጎት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሃገራት መንግሥታት ኤውሮጳን ዘሎ ርክብ ድሕሪ ምውዳቕ ሥርዓት ዴስነት ዝነኣድ ምምሕያሻት ከምዘረጋገጸን እዚ ድማ ናይ ስነ ሕጊ ሊቅ ጆርጆ ፍሊቺያኒ ኣብቲ ጉባኤ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጸብጻብ የረጋገጾ።








All the contents on this site are copyrighted ©.