2009-10-03 18:16:36

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሐዲሽ አምባሳደር ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ተቀቢሎም አዘራሪቦም.


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ቅድስቲ መንበር ሐዲሽ አምባሳደር ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ሚጐል ሁምበርቶ ዲያዝ አብ ካስተል ጋንደልፎ ሐዋርያዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ አዳራሽ ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ።

ሐዲሽ አምባሳደር ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ሚጐል ሁበርቶ ዲያዝ ናይ መልእኽቲ ሲመተ አምባሳደር ንቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘረከቡ እቲ መግለጺ አፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ንሐዲሽ አምባሳደር ዲያዝ ተቀቢሎም አብ ዘዘረረብሉ ግዜ ከም ዘመልክትዎ ፡ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት አመሪካን ንሰላምን ልምዓትን ብሐባር ክሰርሐ ዘለዎም ተስፋ ከም ዘመልከቱ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።

ሕቅን ሐርነትን ናይ ሐደ ጥዕና ዘለዎ ዲሞክራሲ መሠረት ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አመልኪቶም ክአ አመሪካዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፡ አብ ኅብረተሰብ አመሪካ ንሐለዋ ክብርን መሰለን ሰብ ፡ እትገብሮ አስተዋጽኦ አዎንታውን ዝንአድን ከም ዝኽነ ከም ዝገለጹ እቲ መግለጺ አገንዚቡ ።

ናይ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት አመሪካን ዲፖሎማስያዊ ርክብ አብ ፍረ ዘለዎ ዘተ አብ ዕቀባ ክብሪ ሰብን ዝተሞርኮሰ ንአገልግልት ፍትህን ሰላምን ዝጠመተ ክኸውን ከም ዝምነዩ አብ ቅድስቲ መንበር ሐዲሽ አምባሳደር ሕቡራት መንግስታት አመሪክ ንአምባሳደር ሚጐል ሁበርቶ ዲያጽ ከም ዝገለጹሎም ክአ ሐቢሩ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ ።

መንግስቲ ዋሺንግቶን ዓለም ለኻዊ ሽግራት ብምትሕባር ፍታሕ ክድለየሉ ዘለዎ ድላይ ሰናይ ሐሳብ ከም ዝኾነ ፡ ንኹሉ ወዲ ሰብ ዝሐቁፍ ፍታሕ ክኸውን ዘሎ ሀረርታ ትኽክለኛ ራእይ ከም ዝኾነ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘገንዝቡ እዚ አብ ካስተልጋንደልፎ ዝወጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ አረዲኡ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እቲ ዝሐለፈ ሰሙን አብ ኒውዮርክ ብናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ መራሕ መንግስቲ ብፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ ዝተመርሔ አብ ባይቶ ዝተኻየደ እኼባ ቤት መኸሪ ሐለዋ ጸጥታ ኑክሌራዊ አጽዋር ውግእ ብዓለም ለኸ ደረጃ ክግታእ ዘሕለፎ ውሳኔ ፍጥረት ሰብ ብዘይ ስክፍታ ንኽቀስን ዕድል ዝህብ ብምኳኑ ከም ዘመጐሱ ዘሞጐሱ ክአ ተፈሊጡ አሎ።

ዝሐለፈ ዓመት አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ዝሀለፈ ወርሒ ሐምለ ፐሲዳንት ባራክ ኦባማ አብ ቫቲካን ዝገበርዎ ምብጻሕ አመልኪቶም ብሐጎስ ከም ዝዝክርዎ ከም ዝገለጹ ይምልከት።

ብሐፈሻ ኩለን ሃይማኖታት ንኀልዮ ድኅነት ሰብ ስለ ዝቆማ አብ ጉዳይ ሥነ ምግባር ማለት ሞራልን ፖሊቲካን ዓቢ ጊደ ከም ዘለወን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንሐዲሽ አምባሳደር ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ሚጐል ሁበርቶ ዲያስ ከም ዝገለጹሎም ክአ ይምልከት ።

ዝሐለፈ ወርሒ ግንቦት ቅድስት ሀገር ኢየሩሳሌም አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ኩለን እምነታት ንአገልግሎት ሰላም ፍትሕን ርትዕን ደው ክብላ ከም ዘተሐሳሰቡ ክአ ዘኪሮም።

ሐቅን ሐርነትን ዝተአሳሰሩ ከም ዝኾኑ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ዘመናዊ ዲምክራሲ ዘጋጥሞ ዘሎ ቅልውላው አብ ብልሐትን ወዲ ሰብ ማእከል ዝገበረ ፓሊቲካን ንኽካይድ ፡ ዘተሐሳስብ ካብ ስስዔ ዘናግፍ ሐዲሽ ራእይ ንክህሉ ከም ዝዕድም ክአ ከም ዝገለጹ ተነጊሩ።

አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ሐዲሽ አምባሳደር ሚጐል ዲያጽ ፕረሲዳንት ኦባማ ዝሐለፈ ወርሒ ሐምለ አብ ቫቲካን ምስ ቅዱስነቶም ዝግበርዎ ርክብን ዓለም ለኸ ጉዳያት ብዝምልከት ዘከይድዎ ሐሳብ ንሐሳብ ምልውዋጥን አዝዩ ከም ዘሐጎሶም አመልኪቶም ።

ቅድስቲ መንበርን መንግስቶምን ብሐባር ንሰብአዊ ልምዓትን ሰላምን ብሐባር ክሰርሐ ድልየት ከም ዘሎ ጠቂሶም አብ ዝመጻ ዘሎ ቀረባ ግዜ እቲ ብኦም ዝምራሕ ኤምባሲን ካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስን ረዲኤት ብዝምልከት አኬባ ከም ዘከይዱን ብሐባር ተግባረ ረዲኤት ከም ዝግበሩን አረዲኦም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቅረብዎ ሐሳብን ዝሀብዎ አባታዊ ምኽርን ከም ዘመስገኑ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አረዲኡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.