2009-10-01 14:34:21

ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ኣብ ተልእኾ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን


“ንስኻትኩም ጨው ምድርን … ብርሃን ዓለምን ኢዅም” ብዝብል ወንጌላዊ ቃል ተመሪሑ ኣብ ቫቲካን ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ድሕሪ ኣቲ ኣብ 1994 ዓ.ም.ፈ. ቅድሚ 15 ዓመት ቀጺሉ ዝካየድ RealAudioMP3 ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ክካይድ ምዃኑ ቅድም ክብል ተሓቢሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣመልኪቶም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤተሮቪች ብወግዒ እዚ መደብ እንከቕርቡ፦ እቲ ናይዚ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ነቲ ቅድሚ 15 ዓመት ዝተኻየደ ቀዳማይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ዝውከስ ኮይኑ፣ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ምእንቲ ጥቅሚ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኅብረተ ሰብ መላእ ኣፍሪቃን ከምእተገልግል እቲ መሪሕ ኣርእስቲ ናይዚ ሲኖዶስ እንክሕብር ግብረ ኖልዎ ዝሓቶን ልዑል ኣድላይነት ዘለዎ ኣገልግሎት ኢዩ ኢሎም።

ቤተ ርክስትያን ኣፍሪቃ ነቲ ኢዮቤል 2000 ዓመት ንምስንዳው ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዝነበሮም ትምቢታዊ ገምሪ ንኽካየድ ዝኣወጅዎ ቀዳማይ ወግዓዊ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ፣ ቀጺሉ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ኣብ ዙሪያ ር.ሊ.ጳጳሳትን ኣቡን ናይ ሮማ ኮይና ምእንቲ እግዚኣብሔር ዝዓደላ ጸጋታትን እቲ ትፍጽሞ ዘላ ውዕዉዕ ግብርረ ኖልዎ ከተመስግን ብፁዓን ጳጳሳት ናይዛ ክፍሊ ዓለም ኣብ ቫቲካን ክርከቡ ኢዮም፣ ቀዳማይ ዕላማ ቤተ ክርስትያን ወንጌል ምብሳር ክኸውን እንከሎ እዚ ምብሳር ወንጌል’ዚ ብሰብኣዊ ሕንጸት ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም፣ እዚ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ እዚ ጸዋዕታ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ መዳያት ማለት ብናይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን፣ ብናይ ምንቕቓሕ ምሉኣዊ ሰብኣው ሕንጸትን ኤኮኖሚያዊ መደብ ከይዲ መደብ ምዕባለ ኮይኑ ክሳብ ክንደይ ትትግብሮ ከምዘላ ዝግምግም እውን ምዃኑ ሓቢሮም ኣለዉ።

ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ንምላእ ማኅበረሰብ ዓለም ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ኣፍሪቓ ቀንዲ ኣገደስቲ ክብሪታት ኢያቶም፣ ኣብ ኅብረተሰብ ኣፍሪቃ ዕርቂ ክህሉ እቲ ዕርቂ ቅድም ቀዳድም ቤተ ክርስትያናዊ ምርግጋጽ የድልዮ፣ እዚ ማለት ድማ ምስ እግዚኣብሔር ምትዕራቕ ምስ ሰባት ምትዕራቕ ማለት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ዝተዓረቑን ኣብ ዕርቂ ዝነብሩ ሰባት እትሓቑፍ ቤተ ክርስትያን ዕርቂ ከተነቓቕሕ ትኽእል ምስ በሉ ድሕሪ እዚ ካልኣይ ሲዶኖዶስ ዕርቂ ዝብል ክቡር ዋጋ ኣብ ኣፍሪቓ ኣዚዩ ኣድላይን ኮይኑ ክነቓቓሕ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ኢዩ ኢሎም።

መራኸቢ ብዙኃን ዓለም ንኣፍሪቃ ብኣሉታዊ መልክዕ ከቕርብዋን ጎደሎ እምበር ዘይተማልኤ ሓበሬታ ከምዘቕርቡን፣ ብዙሕ ግዜ ድማ እዚ ንኣፍሪቃ ንምፍላጥ ሚዛን ኮይኑ ይርኤ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ውግኣትን፣ ምስሕሓባትን ግጭትታትም ኣሎ ኢዩ እንተኾነ ግን ኣብዛ ክፍሊ ዓለም እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ዘሎ፣ ንኣብነት ጋና ላይበሪያ ኣይቨርይኮስት ዝዓተረኦ እወታዊ ለውጥታት ምጥቃስ ይከኣል፣ ምእንቲ እዚ እዚ ኣብዘን ሃገራት ዝተራእየ እወታዊ ለውጥታት ናብተን ውግእን ውጥረትን ዝረኣየን ካልኦት ዝተረፋ ሓገራት ኣፍሪቃ ክስፋሕፋሕ ተስፋ እገብር ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.