2009-09-26 14:53:02

ንምዕባለን ሕንጸት ሰላምን ኣፍርካ


ኣፍሪካ ዝተረስዔት ክፍሊ ዓለም ምዃና እዚ ድማ ንናይ ቤተ ክርስትያን ግብረ ተልእኮ ዓቢ ብድሆ ከምዝኾነ ናይ ትሬስተ ሊቀ ጳጳስን ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላም ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ጃንፓውሎ ክሬፓልዲ RealAudioMP3 ኣብ ሮማ ንናይ ኣፍሪካ ሰላም፣ ሓምላዊ ግስጋሰ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ጳጳሳዊ ረጂና ኣፖስቶሎሩም መንበረ ጥበብ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ ከምዝሓበሩ ተፈሊጡ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣፍሪካውያን ሊቃውንቲ ስነ ፍጥረትን ስነ ሕርሻን ናብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣፍሪካ ምዕባለ ዝተኸሓደላ ክፍሊ ዓለም መታን ከይትኸውን ነዚ ዘቃልሕ ከይተሓለሉ ዝቕርበዎ ጻውዒትን ዘረእይዎ ሓልዮትን ብምምስጋን ኣፍሪካ ከይትርሳዕ ምዕቡላት ሃገራት ከነቓቕሑ ናይ ሓደራ መልእኽቲ ከምዘተሓለለፉ ተገሊጹ።

ኣፍርካ ስእነት መግብን ጥምየትን ሕጽረት ክንክን ጥዕናን ኣዚዩ ዝረኣየላ ሃገር ከምዝኾነትን ምስ እዚ ተደሪቡ ጉድለት ምዕባለን ስእነት ሰላም እውን ከምዘጥቅዓን ነዚ ኵሉ ንምብዳህ ካብቲ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ተበጊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ሕንጸትን ደገፍን ምርግግጋጽ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እቲ ናይ ረጂና ኣፖስቶሎሩም ጉባኤ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር ገንዘብ ዘዋፍር ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ቻርለስ ራይመንሽናይደር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ንናይ ኣፍሪካ ምዕባለ ኣብቲ ቀንድን ኣገዳስን ዝኾነ ጉዳይ ማኅበራዊ ርእሰ ማል ምውፋር ወሳኒ ከምዝኾነን ክገልጹ፣ ኣብ ረጂና ኣፖስቶሎሩም ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር መምህር ጎንዛሎ ሚራንዳ ብወገነን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ምዕባለ ኣፍሪካ ካብ መደብ ሕንጸትን ካብ ክንክን ከባቢ ተፈጥሮን ምጥንኻር ትሕቲ ቅርጽታትን ክብገስ ኣለዎ ኢለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.