2009-09-26 14:45:13

ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ኣባላት ሱባኤ ኣብ ታይዋን


ጳጳሳዊ ናይ ውሁደ ልቢ ቤት ምክር ኣብ እስያ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ተዋፊሮም ነዘገልግሉ ካብ ዕለት 6 መስከረም ክሳብ ዕለት 11 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ታይዋን ዘዳለዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ዝተሳተፉ RealAudioMP3 ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፖውል ጆሴፍ ኮርደስ ናብ ቫቲካን ከምእተመልሱ ተገሊጹ።

እዚ ካብ 29 ሓገራት እስያን 260 ሰበኻታት ዝተዋጽኡ ሽድሽተ ብፁዓን ካርዲናላትን 60 ብፁዓን ጳጳሳትን ዝርከብዎም ብጠቅላላ 450 ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ኣባላት ኣብዚ ኣብ ታይዋን ርእሰ ከተማ ታይፐይ ኣብ ዝርከብ ፉ ጄን ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ሱባኤ ከምእተሳተፉ ኤሺያን ነውስ ሓቢሩ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ኮርደስ ነተን በቲ ሞራኮት ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ብርቱዕ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን ዝተጠቕዓ ከባብታት ዝተጠቕዐ ሕዝብን ከምዝበጽሑን ነቲ ዝተጎድኤ ሕዝቢ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቀረባ ከምዝኾኑን ቤተ ክርስትያን ንዝሳቐ ሕዝቢ ቀረባ ምዃና ከምዝመስከሩ እቲ ናይ ዜና ምንጪ ሓቢሩ።

እቲ ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ሱባኤ፣ እቲ ንላቲን ኣሜሪካ ዝምልከት ኣብ ሜክሲኮ ከተማ ጉዳላካራ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር። ብፁዕ ካርዲናል ኮርደስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበራት ተዋፊሮም ኣገልግሎ ዝህቡ፣ ገዛእ ርእሶም መንፈሳዊ ሓይሊ እንተዘይሰኒቖም እቲ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ልማድ ወይ ድማ ከም ተራ ዕለታዊ ዕዮ ኮይኑ ከምዝተርፍን ገሊጾም እዚ ከይከውን ድማ ናይቲ ኣገልግሎት ቀንዲ ትርጉሙ ንኽትርዳእ ዝሕግዝ መንፈሳዊ ኣጋጣሚ እውን ኢዩ ኢሎም። ቀጺሎም ነቲ ሱባኤ ዝመርሑ ስባኪ ቤተ ጳጳሳ ኣባ ካንታል ላሜሳ ከምዝነበሩ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.