2009-09-26 14:42:57

መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፖርቱጋል


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዘቕረቡሎም ዕድመ መሠረት ዕለት 13 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ፋቲማ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክካይዱ ምዃኖም ናይ ፖርቱጋል RealAudioMP3 ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ብራጋ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾርገ ፈረይራ ዳ ኮስታ ኦሮጋ ካብ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝተመሓላለፈሎም መልእኽቲ ከምዘረጋገጾ ሓቢሮም።

ዕለት 13 ግንቦት ኣብ ናይ ላቲን ሥርዓት ናይ ሊጡርጊያ መርሃ ዕለት ማርያም ኣብ ፋጢማ ዝተገለጸትሉ ዕለት ዝብዕል ከምዝኾነን ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቲ ካብ ናይ ፖርቱጋል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝቐረበሎም ዕድመ ብምቕባሎም ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ሕዝብን ፖርቱጋል ከምዘሐጎሶም ተገሊጹ።

ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1967 ዓ.ም.ፈ. ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1982 ኣብ 1991 ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ. ኣብዛ ማርያም ዝተገለጸትላ ከተማ ፖርቱጋልን ኣብኡ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ተረኺቢም መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ስብከት ከምዘስምዑን እነሆ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንመንበረ ጴጥሮስ ቅድሚ ምሽያሞም ኣብ 1996 ዓ.ም. ብጹዕ ካርዲናል ኣንከለዉ ኣብታ ማርያማዊ ቅድስቲ ሥፍራ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.