2009-09-24 13:32:37

ጸረ ሴማዊነት ብር.ሊ.ጳ.ን ብቤተክርስትያንን ውጉዝ ኢዩ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተምን ናይ ቫቲካን መደብር ቴሌቪዥንን ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፣ ቤተ ክርስትያን ጸረ ሴማዊነት ኮነ ነዚ ዓይነት ርእዮት ዘንጸባርቕ ኣመለኻኽታን ተግባርን RealAudioMP3 ከምእትዅንን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ናይ ህልቂት ተግባር ዘይከሓድ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመ ምዃኑን ብምግላጽ ነቶም ነዚ ታሪኽ ዝኽሕዱ ከምእትቃወም ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 10 መጋቢት 2009 ዓ.ም.ፈ. ንመላእ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝተሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲት ዝኾነ ይዅን ጸረ ሴማዊ ተግባርን ኣመለኻኽታን ብቤተ ክርስትያን ውግዝ ምዃኑ ከምዝተሓሳሰቡ ኣባ ሎምባርዲ ኣዘኻኺሮም፣ እቲ መልሲ ዝተወሃበሉ ናይ ማኅበርሰብ ካህናት ቅዱስ ፒዮስ 10 ኣባል ለፈብራዊ ኣቡን ዊሊያምስ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ መቕዘፍቲ ኣብ ሕቶ ከምዝእትውዎ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድም ቢሎም ዝፈልጥዎ ዝነበረ ኢዩ ዝብል ብሓንቲ ናይ ስዊድን መደብር ቴሌቪዥን ዝቐረበ ሓሳብ ዘይቅቡልን ካብ ሓቂ ዝረሓቀን ኢዩ እንክብሉ ወግዓዊ መልሲ ከምዝሃብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ብዛዕባ ኤክለዚያ ደይ፣ ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስትያን ድርገት እቶም ካብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝተፈልዩ ማህበርሰብ ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓሥራይ ምስ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ንክጽንበሩ ዝግበር ጻዕሪ ከይሰናኽልን ከምቲ ናይ ኣባል ማህበርሰብ ካህናት ቅዱስ ፒዮስ 10 ለፈብራዊ ኣቡነ ዊሊያምስ ዘቕረብዎ ኣመለኻኽታ ዓይነት ከይክሰት ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓድሽ ሕጊ ከምዝደንገጉን ኣባ ሎምባርዲ ኣዘኻኺሮም፣ እቲ ጉዳይ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ኣብ እዋኑ ግቡእን ዘዕግብን መልሲ ዝተወሃቦ ናይ ፈብራዊ ኣቡን ዊሊያምስ ኣመለኻኽታ ኣልዒልካ ምዝራቡ ትርጉም ዘይብሉ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.