2009-09-24 13:38:15

ንክርስቶስ ምምሳል


ኣብ ህንዲ ግዝኣት ከረላ ኣብ እቲርከብ ከተማ ቫዳናፓልይ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ቤተ ክርስትያን ቆሞስ ኣባ ዳቪስ ቺራመል ንሓደ ብሕማም ኩሉት ንዝሳቐ ምእመን ሃይማኖት ሂንዱ ካብ ሞት ንምድሓን ናይ ገዛእ ርእሶም RealAudioMP3 ኵሊት ክልግሡ ከምዝወሰኑን እቲ ናይ ምትካእ ውሽጣዊ ክፍሊ ሰብነት ሕክምና ዕለት 30 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ክፍጸም ምዃኑ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ክርስቶስ ንዓና ነኸድሕን ገዛእ ርእሱ ከምዝሃበ ኵሉ ንዓዑ ስዝዕቡን ብስሙ ዝጽውዑን ንዓዑ ከምስሉ ዝተጸውዑ ኢዮም። ስለዚህ ኣብ ህንዲ በቶም ኣኽረርቲ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ምእመናን ብዙሕ በደል ዝወአርድ እኳ እንተኾነ እዚ ጸገም ዝፍታሕ ሕነ ብምፍዳይ ዘይኮንስ ብምፍቃሪ ምዃኑ ዝምስክር ልዑል ግብረ ሠናይ ምዃኑ ኤሺያን ኔውስ ሓቢሩ፣ ካብዚ ብዝነቐለ መንፈስ ድማ እዞም ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ቺራመል ልገሣ ሰብነት ውሽጢ ኣካል ክገብሩ ከምዝወሰኑን፣ ሕነ ዝፈድይ ዘይኮነስ ዘፍቕር በዓል ዓቢይ ዓወት ምዃኑ ዝገልጽ ውሳኔ ኢዩ እንክብል ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ነቲ ልዑል ግበረ ሰናይ ኣመልኪቱ ዝሃብዎ ዜና ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.