2009-09-24 13:29:13

ቅዱስ ኣንሰልም


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ ረፍዲ ኣብ ሓዋርያዊ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንዝተኣከቡ ትሽዓተ ሺሕ ንዝግመቱ ምእመናን ኣብ ቅዱስ ኣንሰልም ዘነጸረ መደብ ኣስተምህሮ ትምህርቲ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ ተመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ትማሊ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣንሰልም ንነፃነት ቤተ ክርስትያን ይጣበቕ ከምዝነበረን ከምኡ ድማ ኢድ ኣታውነት ሰበሥልጣን ፖለቲካ እውን ይከላኸል ከምዝነበረ ጠቒሶም ምእመናን ምእንቲ ቤተ ክርስትያን ክጽልዩን ኪሠርሑን ኣድላዪ እንክኸወን ድማ ስቓይ ኪቕበሉን ኣተሓሳሲቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.