2009-09-22 13:08:39

ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም


ትማሊ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ከምዝበዓለ ተፈሊጡ። እዛ ዕለት ቶኽሲ ደው ክብልን ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ብምስዓብ ምርድዳእን ናይ ዘተ ባህሊ ንምርግጋጽ መርሕ ዝገብረ ዕለት RealAudioMP3 ከምዝኾነ ድማ ክዝከር እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 13 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ምርጋፍ ኣጽዋር ዘነቓቕሕ ወፈራ ከምዘተባብዑን ሰላም ኣጽዋር ውግእ ዘረጋገጾ ዘይኮነስ ዘተ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰላም መሣርሒ ማኅበር መሥራቲ ኤርነስቶ ኦሊቨሮ በዛ ዓለም ሓቆፍ መዓልት ሰላም ምኽንያት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣጽዋርይ ይቐትል ጸረ ሰላም እውን ኢዩ፣ እዚ እናተፈልጠ ግን ስለምንታይ ከምዝምረት ኢዩ ዝገርም ቢሎም፣ ኣጽዋር ክትስከሞ ይኸብድ፣ ኤኮኖሚ የዕንው፣ ኣብ ሕንጸትን ባህልን ክውዕል ዝግበኦ ርእሰ ማል የጉድል፣ ኣሉታዊ ጠንቅታቱ ብዙሕ ምዃኑ ገሊጾም፣ ሰላማውነት ኣመለኻኽታን ራእይን ኣብ ዓለምና ክሰርጽ ምምራት ኣጽዋር ውግእ ክግታእ ግድን ኢዩ ኢሎም።

ልቢ ወዲ ሰብ ናብ ደላይ ሰላም ክልወጥን እምነት ዘለዎን ዝኣምንን ብሓቂ ናብቲ ሰላም ዝኾነ እግዚኣብሔር ክቐርብን እግዚኣብሔር ሕይወት እምበር ሞት ማለት ከምዘይኮነን ክምስከር ኣለዎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.