2009-09-22 13:07:35

ሰማዕትነት ምእንቲ ሰላም


ብዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከተማ ካቡል ብዝወረደ ናይ ሞት መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሽድሽተ ወትሃደራት ኢጣሊያ ናይ ቀብሪ ሥነ ሥርዓት ትማሊ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ቅዱስ ጳውሎስ RealAudioMP3 ከምእተፈጸመ ተሓቢሩ።

ነቲ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ሓይሊ ምክልኻል መንፈሳዊ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፐልቪ ከምዝኾኑን እቲ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሩ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተመሓላለፈ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ክታም ዝተነብረሉ ናይ መጸናንዕን ተስፋን መልእኽቲ ከምእተነበ ተረጋገጹ።

ቅዱስ ኣቦና በቲ ዝወረደ ናይ ኣሸበርቲ መጥቃዕቲ ምኽንያት ዝተቐትሉ ብዙሓት ሰላማውያን ዜጋታትን 6 ወትሃደራት ኢጣሊያ መሪር ሓዘን ከምዝተሰምዖም ኣብቲ ዘተሓላለፍዎ መልእክቲ ገሊጾም፣ ነቶም ዝተቐትሉ ስድራ ቤት ኣብ ጸሎቶም ህያዋኣንን እግዚኣብሄር ከጸናንዖም ድማ ተማሕጺኖም፣ ምእንቲ ሰላም ዝኽፈል መስዋዕቲ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ ከምዘይተርፍ እውን ሓቢሮም፣ ናይቲ ነቕ ዘይብል ሰላምን ተስፋን ምንጪ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣደ ናይ ሰላም ንግስቲ እኖ ድንግል ማርያም ነቶም ምእንቲ ሰላም ተዋፊሮም ኣብ ሕንጸት ሰላም ዝርከቡ ኩሎም ከተበራትዖም ተማሕጺኖም ኣብቲ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ብመንፈስ ከምዝሓብሩ ከምዘመልከቱ ተረጋጊጹ።

ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፐልቪ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምውፋር ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ሕይወትካ ንሓደጋ ምቅላዕ ማለት ከምዝኾነን ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ልኡካነ ሰላም ዝፍጸም ናይ ሞት መጥቃዕቲ የረጋገጸልና ቢሎም፣ ማኅበረሰብ ዓለም ከይሰልከየን ተስፋ ከይቆረጸን ሰላምን ዴሞክራስን ኣብ ምሕናጽ ክተግህን ሓደራ ምስ በሉ፣ ምእቲ ሰላም ዝኽፈል መስዋዕቲ ከንቱ ኣይተርፍን ድማ ሓቢሮም እግዚኣብሔር ከጸናንዕን ሰላሙ ከውርድን ጸልዮም ቃለ ስብከቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.