2009-09-19 13:22:07

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ፍልስፍና


በቢ ዓመቱ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሞደና ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ፍልስፍና ብዝተፈላለየ ዓውደ መጽናዕትታን ምይይጥን ርክባትን ክቢ ጠረጴዛ ብፍልስፍናዊ ምይይጥን ተሰንዩ ከምዝካይድ ዝፍለጥ ኢዩ። ለብዘበ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ፍልስፍና RealAudioMP3 ማኅበረ-ሰብ ብዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ ተሰንዩ ትማሊ ብወግዒ ክምእተጀመረን ክሳብ ዕለት 20 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ክቅጽል ኢዩ።

እዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ፍልስፍና መሠረትን ትርጉምን ማኅበር-ሰብ ብዝተፈላለዩ ናይ ፍልስፍና ናይ መጽናዕቲ ጨንፈራት ዳህሲሱን ኣብዚ እዋን’ዚ ማኅበረ-ሰብ ክህልዎ ዝግብኦ ስምምዕን ሰላምን ውህደት ዝህውኹ ተግባራት እውን ሓደ ብሓደ ዘርዚሩ ብኸመይ ክፍታሕ ኣለዎ ንብዝብል ፍልስፍናዊ ሕቶ መሠረታዊ መልሲ ክህበሉ ኢዩ። እዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን እቲ ልሙድ ማኅበረ-ሰብ ከምዘሎ ኮይኑ ብዙሕ ዓይነት ማኅበረ-ሰብ ዝኽሰተሉ ዘሎ ዘመን ኢዩ፣ ናይ ፖሊቲካን ናይ ሃይማኖትን መትከልን ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለ ዝደረኾ ክስተት ማኅበረ-ሰብ እዚዩ እናተስፋሕፍሔ ከምዘሎን እዚ ሓድሽ ዓይነት ቅርጺ ምትእኽኻብ ወይ ድማ ማኅበረ-ሰብኣውነት ብጥልቂ ዝምርምር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ፍልስፍና ኢዩ።

ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ሊቅ ቅዱስ ኣጎስጢኖስን፣ ናይ ፍልስፍና ሊቃውንቲ ሆበስን ሃና ኣሬንድት ብዛዕባ ማኅበረ-ሰብ ዝምልከት ዝገበርዎ ፍልስፍናዊ መጽናዕትን ዝበጽሕዎ ፍልስፍናዊ መደምደምታ ዝተወከሰን እዞም ኣብ ታሪኽ ፍልስፍና ዓቢ ግደ ዘለዎም ሊቃውንቲ ብዛዕባ ማኅበረ-ሰብ እንታይ ይብሉን ብኸመይ ከ ይትንትንዎን ትርጉሙ ኸ እንታይ ቢሎም ይገልጽዎን ካብ ዝብል ሓሳብ ነቒሉ ምስቲ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ዘምጽኦ ዘሎ ትርጉም ማኅበረ-ሰብን ቅርጽታቱን ብምንጽጻር ቀጻልነቱን ሓደስቲ ለውጥታቱን ዝሕብር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ፍልስፍና ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.