2009-09-19 13:17:46

ሙማት ዝበሃል መሰል የሎን


ናይ ስነ ፍጥረትን ሕይወትን ተቛም ሊቀ መንበር ፕሮፈሰር ሉቾ ሮማኖ ሙማት ዝበሃል መሰል ከምዘየለ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዛዕባ ሕይወትን ሞትን ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም። ነቲ ናይ ምሕዋይ RealAudioMP3 ተስፋ ዘይብሉ ኣብ ኣፍ ሞት ዘንሎ ብናይ ሕክምና ሜላ ዝወሃቦ ሰብ ሰርሖ ናይ መግባውን ማያውን ደገፍ መድኃኒታዊ ወይ ድማ ፍወሳ ዘይኮነስ ምስ ሕይወት ዝተኣሳሰረ ቀንድን ኣገዳስን ሕወታዊ ደገፍ ኢዩ ኢሎም። ስለዚህ ነቲ ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ዝወሃብዎ መግባውን ማያውን ደገፍ ከም መድኃኒት ዝረኤ እንተድኣ ኮይኑ ማይም መግብን ዘሕውይዎ ዓይነት ሕማም ኣሎ ማለት ኢዩ፣ ከምዚ እንተድኣ ኮይኑ ከምቶም ካልእኦት ዓይነት ሕማማት ብመድኃኒት እንከላኸሎምን እነጥፍኦምን ኣቲ ዝሓመመ ሰብ ምስ ዝፍወስ እቲ ዝወስዶ ዝነበረ መድኃኒ ከምዘቋርጾ፣ ማይን መግብን ከም መድኃኒት እንተድኣ ዝረኤ ኮይኑ እቲ ሕሙም ምስ ተፈወሰ ሰብ ሰርሖ መግብን ማይን ምውሳድ ክቋርጽ ኣለዎ ማለት ኢዩ፣ ስለዚህ ካብቲ ሓፈሻዊ መበገሲ ዝቀረበ ፍልዩ መደምደምታ መግብን ማይን መድኃኒት ከምዘይኮነ ኢዩ ዘረጋገጸልና ኢሎም፣ መግብን ማይን ምስ ሕይወት ዝተኣሳሰረ ቀንድን ኣገዳስን ሕወታዊ ደገፍ ኢዩ ኢሎም።

ዝኾነ ይዅን ሰብ ናይ ሙማት መሰል የብሉን፣ ኣብ ኣፍ ሞት ኢዩ ዘሎ እሞ ወይ ድማ ስለ ዘይሓውይ ቅድሚ ባኅርያዊ ሞቱ ይቀተል ወይ ድማ ይሙት ማለት ጸረ ሕይወትን ጸረ ናይ ሕይወት ሥነ ምግባርን ግብረ ገብን ኢዩ። ናይ ሙማት ዘይኮነስ ናይ ምንባር መሰል ኢዩ ዘሎ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ስነ ፍጥረት መጽናዕቲ እዚ ዓይነት መሠረታዊ ሕጊ ክኽበር ኣለዎ ኢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.