2009-09-19 13:24:15

ሕጻናትን ሕማም ኤይድስን


ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መዓልቲ 350 ሽሕ ሕጻናት ድሮ ብተኅዋስ ኤይድስ ዝተለኽፉ ከምዝውለዱ ናይ ሕማም ኤይድስን ዓባይ ሰዓልን ዓሶን ንምጥፋእ ንዝግበር ናይ ሕክምና ምርምር ዝድግፍ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ዋና ኣመሓዳሪ ሚካል ካዛትችኪነ ገሊጾም።

ካብቶም በዚ ኤይድስ ተሓዋስ ተለኾፎም ዝውለዱ ቁጽሪ ሕጻናት ዓለም ናይ ጸረ ኤይድስ ሕክምና ዝረኽቡ 35% ከምዝኾኑን፣ ብተኅዋስ ሕማም ኤይድስ ተጠቒዖም ዝውለዱ ሕጻናት ቁጽሪ እናጎደለ’ካ እንተኸደ እቶም ግቡእ ናይ ጸረ ኤይድስ ሕክምና ዘይረኽቡ ቁጽሪ ሕጻናት ግን ዘተሓሳስብ ኢዩ ኢሎም። ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ. ጥራሕ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ብጠንቒ ተኅዋስ ሕማም ኤይድስ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶም ካዛትችኪነ ገሊጾም፣ ካብቶም በቲ ተኅዋስ ዝጥቕዑ 3.5 ጥራሕ ናይ ጸረ ኢይድስ ሕክምና ዝረኽብ ከምዝኾነ ሓቢሮም ናይ ጸረ ኤይድስ ሕክምና ክስፋሕፋሕ ማኅበረሰብ ዓለምን መንግሥታትን ዓቢ ጻዕሪ ከካይዱ ይግባእ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.