2009-09-19 15:59:02

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጳጳሳት ብራዚል አብ ቫቲካን.


ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል አብ ቫቲካን ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ሰሜናዊ ምብራቅ ብራዚል ጳጳሳት ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም እቲ መግለጺ ቫቲካን አፍሊጡ፡ ሰሜናዊ ምብራቅ ብራዚል ካብቲ አዝዩ ዝደኸመ ክፍሊ ብራዚል ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

ናይቲ ሰሜናዊ ምብራቅ ክልተ ዝጽዋዕ ክሊ ብራዚል ናይ ማቸዮ ሊቀጳጳሳን ናይ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበርን ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ሙኒዝ ፈርናንደስ ከም ዘመልከትዎ ፡ ቤተክርስትያን አብዚ ክሊ”ዚ አብ አገልግሎት ድኹማት ማኅበረ ሰባት ከም ትርከብ መግለጺ ሂቦም።

ቀጺሎም አብዚ ሰሜናዊ ምብራቅ ክልተ ዝጽዋዕ ዞባ ብራዚል ድኽነት ከም ዘሎ ጠቂሶም ፡ ምክያድ ተልእኾ ቅዱስ ወንጌል ዓቢ ድላይ ከም ዘሎን ህዝብን ቤተክርትያንን ብሓባር አብ ሕያውነታዊ መንፈስ ቅዱስ ዝተሞርኮሰ ተስፋ ከም ዘሎ አረዲኦም።

ግብረ ኖልዋዊን ማኅበራውን ብድሆታት ማለት አዝዩ ሱር ዝሰደደ ንክብሪ ሰብ ዝጻረር ድኽነት አብ ምግታእ ንመንእሰያት ዝሐሸ መጻኢ ክህልዎም ዝግበር ጻዕሪ ንምዕዋት ቤተክርስትያን ከይሰልከየት ከም ትሰርሕ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ሙኒዝ ፈርናንደዝ መግለጺ ሂቦም ።

ቤተክርስትያን ሐዋርያዊት ማለት ሚስዮናዊ ተልእኾአ ተሰላስል ብሐደ መዳይ በቲ ካልእ መዳይ ካአ ሽግር ውጹዕ ህዝቢ አብ ምፍታሕ አብ ናይ ፍቅሪ ስራሕ ዝተዋፈረት ከም ዝኾነት ዘመልከቱ ብፁዕ አቡነ ፈርናንደዝ ጽዑቅ ስራሕ ከም ዘለዋ አመልኪቶም ።

ካቶሊካውያን ጳጳሳት አብ ሐሙሽተ ዓመት ሐደ ግዜ አብ ቫቲካን መቃብራት ሓዋርያት ጰጥሮሰ ወ ጳውሎስ ከም ዝሳለሙን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ተራኺቦም አብያተ ክርስትያናቶም ብዝምልከት ከም ዝዝትዩን ይዝከር ።








All the contents on this site are copyrighted ©.