2009-09-17 14:31:13

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሃልዮ መግቢ ቅዋም


ዓለም ሓቆፍ ናይ ሃልዮ መግቢ ቅዋም እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተኸስተን ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው እናተመሓየሽ ዝኸይዝ ዘሎ እኳ እንተመሰለ፣ እቲ ኣብ ድኻታትን ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገር RealAudioMP3 ዘስዓቦ ቅልውላዋትን ገና ይቕጽል ከምዘሎን ከምዝሃበረ ተገሊጹ። እዚ ቅልውላው’ዚ ቅጽሪ ድኻታት ክብ ክብል ይድርኽ ከምዘሎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻን መግብን ማኅበር ሓቡሩ ናይቶ ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ቁጽሪ እናወሰኸን ለብዘበን ካብ ሓደ ሚሊያርድ ንላዕሊ ዝግመት ሕዝቢ በስእነት መግቢ ክጥቃዕ ምዃኑ የመልክት።

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሃልዮ መግቢ ቅዋም ነቶም ብስእነት መግቢ ዝጥቕዑ ሓገዝ ንምቕራብ ዝኣክል ገንዘብ ከምዘይብሉ ከምዘፍለጠን፣ እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ዓቢ ተደራራቢ ሽግር የስዕብ ከምዘሎን፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሶማሊያ ክግመት ዘይከኣል ጸገም ዘኸትል ምዃኑ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሃልዮ መግቢ ቅዋም ወሃቢ ቃል ቪኪ ደ ማርኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም። ብዙሓት ሃገራት ኣብ መደብ ምሕጋዝ ድኻታታ ሃገራት ክዋስኣ ዝኣተወኦ ቃል ብዙሕ ጊዜ ዘይኽብራ ብምዃነን፣ እተን ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ናይ ረድኤት ማሕበራት ነቲ ብስእነት መግብን ጉድለት ክንክን ጥዕናን ንዝሳቐ ህዝቢ ብቑዕ ደገፍ ከቕርባ ዝነበረን መደብ ኣብ ግብሪ ከውዕላ ከምዝጽገመን ኣረዲኦም፣ እዚ ብኸምዚ እንተድኣ ቐጺሉ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሃልዮ መግቢ ቅዋም ናይ ደገፍ መደባቱ ኣብ ፍጻሜ ከብጽሕ ቢልካ ምሕዛብ ዘይከዉን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.