2009-09-17 14:32:43

ክርስትያን ማኅበርሰብ ማእከላይ ምብራቕ


ማኣከላይ ብምራቕ ብሕልፊ ድማ ቅድስቲ መሬት ብዘይካ ክርስትያን ከይትተረፍ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ክርስትያን ማኅበርሰብ ሓገዙ ከቕርብ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ RealAudioMP3 ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ጥዋል ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 8 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ሎንደን ኣብ ዝርከብ ናይ ዌስትሚኒስተር ካቴድራል ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሓደራ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምብ ቁጽሪ ክርስትያን እና ወሓደ ይኸይድ ከምዘሎን እዚ ድማ ኣብታ ኢየሱስ ዝተወለደላ ክኽሰት ምርኣይ ዘሕዝን ምዃኑን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ እስራኤል ቁጽሪ ክርስትያን 10 ሺሕ ከዝኾነን ስደት ክርስትያን በዚ እንተድኣ ቕጺሉ ግን ኣብ 2016 ናብ ሓሙሽተ ሽሕ ክወርድ ምዃኑን ገሊጾም፣ እዚ ንኸይከውን ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ክርስትያን ማኅበረሰብ ነዚ ክሊ ክርስትያን ቀረባ ኮይኑ ከተባብዖን ክተሓባበሮን ሓደራ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

እስራኤል ኣብ ክሊ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ እትኽተሎ ሥርዓት ፖሊቲካ ንፍልስጥኤማውያን ክርስትያንን ብሕልፊ ድማ እቲ ሓደሽ ወለዶ ክርትያን ናብቲ ከባቢ ናብ ዘሎ ቅዱሳት ሥፍራ ክበጽሕን መፍነሳዊ ንገድት ከካይድን ዝኽልክል ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ጥዋል ሓቢሮም፣ ንዝሳቕያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሕግዝ ናይ ረድኤት ማኅበር ነቲ ኣብ ማእከላይ ብምራቕ ዝነበር ክርስትያን ማኅበረሰብን ዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያንን ዘቕርቦ ሓገዝ ንኢዶም፣ ንናይ’ዚ ከባቢ ምርግጋእን ሰላምን ጸሎትን ናብ ቅድስቲ መሬት መደብ መፈንሳዊ ንግደትን ዘነቓቕሕን ምእንቲ ሰላም ዝዓዩ ፖሊቲካ ምትብባዕ ኣድላዪ ኢዩ ቢሎም፣ እቲ ኣብ ዝሓለፉ 61 ዓመታት ኣብዚ ክሊ ሰላም ንምምጻእ ዝተገብረ ጻዕሪ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝድለ ሰላም ከረጋገጽ ከምዘየኽኣለን ገሊጾም፣ እዚ ድማ ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ጻዕሪ ዝኽተሎ መገዲ ኅዳሴ ዘድልዮ ምኳኑ ኢዩ ዝረጋግጽ፣ ቢሎም ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ንናይ ማእከላይ ብምራቕ ዝኽተልዎ ፖለቲካ ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሳነ ብሔር ፍልይ ዝበለን ሚዛኑ ዝሓለወን ዝተፈጸሙ ጌጋታት ኣነጺሩ ዝርዳእን ኢዩ ዝመስል እዚ ድማ ኣብዘን ዝቕጽላ ዓመታት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝደለ ሰላም ክረጋግጽ ዘኽእል ክኸውን ተስፋ እገብር ቢሎም፣ ሰላም ኵሉ ክደልያ ንጸልይ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ጥዋል ኣብዚ ኣብ ዌስትሚኒስተር ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ናይ ኢንግሊጣርን ወይልስን ሊቃነ ጳጳሳት ከምእተራእኸቡን ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.