2009-09-17 14:34:08

ናይጀሪያ


ኣብ ናይጀሪያ ናይ ከባቢ ደልታ ክርስትያን ማኅበር ሰብን ኣቢያተ ክርስትያን ዝውክሉ ብሓባር ንርእሰ ብሔር ኡማሩ ያርኣዱዋ እቲ ኣብዚ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕን ዝጽውዕ ዝተፈላለዩ ዕማሜታት ዝሓዘለ RealAudioMP3 ናይ ሓባር መልእኽቲ ከምዘተሓላለፉ ተፈሊጡ።

እዚ ናይ ካቶሊክን ኣንግሊካንን መቶዲስትን ኣቢያተ ክርስትያን ዝርከብዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ዘተሓላልፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ከባቢ ደልታ ዝርከብ ሃብቲ ነዳዲ ንምዕባለ ሃገርን ህዝብን ክውዕል ብዘብቕዕ ፖሊቲካ ክምራሕን፣ ሃብቲ ሃገር ንግጭት ዘይኮነስ ምኽንያት ምዕባለን ሓድነትን ክኸውን ዝጽውዕ ናይ ሓባር መልእክቲ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ካብ 2006 ዓ.ም.ፈ. ንነጀው እቲ ኣብዚ ከባቢ ንነጻነት ከባቢ ደልታ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ዘካይድ ምንቕስቓስ ብተደጋጋሚ ብዝፍጽሞ መጥቃዕትታት እቲ ናይዚ ከባቢ ናይ ነዳዲ ሃብቲ ኣብ ረብሓ ኵሉ ክውዕልን ናይዚ ሃብቲ’ዚ እቶት ብማዕረ ክባጻሕ ዝጽውዕ ከምዝኾነን፣ እዚ ዕላማ እዚ ግን ብዕጥቂ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነን ቅኑዕ ሕቶ ብኣጽዋር ተሰይኑ ኣይኮነን ክቐርብ ዘለዎ፣ እዚ ዅሉ ሕቶ ብሰላማዊ መገዲ ክቐርብ ዝከኣል ኢዩ፣ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ መፍትሒ ከምዘይኮነን እቶም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፣ መንግሥቲ ናይጀሪይ ንቶም ዕጡቓት ኃይሊ ዝኣወጆ ምሕረት ኵሎም መራሕቲ ሃይማኖት ንኢዶም፣ እቶም ምሕረት ዝግበረሎምን ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ሓዲጎም ናብ ሰላማዊ ናብራ ንዝምለሱ ብጀካ እቲ ዝገበረሎም ምሕረት፣ ሕይወቶም ክመርሕሉን ምስ ኅብረተሰብ ክወሃሃዱ ዘኽእሎም ዕድል እውን ክፍጠረሎም ኣብቲ መልእክቲ ሓደራ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.