2009-09-17 14:30:05

ቅዱሳት ቆርነሊዮስን ቆጵሪያኑስን

 


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል እንተ ቤተ ክርስትያን ትማሊ ቅዱሳት ር.ሊ.ጳ. ቆርነሊዮስን ቅዱስ ብፁዕ ኣቡነ ሰማዕት ቆጵሪያኑስን ከምዘዓለት ተሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. RealAudioMP3 ኣብ ዘቕረብዎ ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣበው መልኪቶም ኣብቲ ልሙድ ናይ ረቡዓዊ መደብ ኣስተምህሮ ካብ ዘቕረብዎ ሓደ ክፍሊ ብዛዕባ ቅዱስ ቆጵሪያኑስ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ናይ ቅዱስ ቆጵሪያኑስ መንነት ዝገልጽ ሓጺር ናይ ሕይወት ታሪኽ ከረድኡ፣ ቆጵሪያኑስ ገና ወዲ 35 እንከሎ ኣብ ድቕድቕ ዝበለ መፍነሳውነት ጸላም ተዋሒጡ፣ እንከሎ ምሕረተ እግዚኣብሔር ከሰላስልን ከስተማቕርን ክኢሉን ምሉእ ብምልኡ ተለዊጡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ማለት ኣብ 249 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቱኒዚያ ናይ ካርተጅ ሊቀ ጳጳስ ተሸይሙ ቤተ ክርስትያን ሕዝበ እግዚኣብሔርን እናገልገለ እንከሎ ኣብቲ እዋን ብዝነበሩ ነገሥታት ዲቂዮንን ቫለሪያኑስ ዝኣወጅዎ ስደት ክርስትያን ግዳይ ኮይኑ ኣዚ ድማ ድኻምነትን ሰብን ምሕረት እግዚኣብሔር ኣዕሚቑ ንክርዳእን ዝሓገዞ ከምዝነበረን ናይ’ዚ ቅዱስ ናይ ታሪኽ ማህደሩ ጠቒሶም ከምዘመልከቱ ይዝከር።

ቅዱስ ቆጵሪያኑስ ኣብ መንጎ ኣብዚ ዓለም ዘላ እትረኤ ቤተክርስትያንን እታ መንፈሳዊትን ተንቲኑን ቤተ ክርስትያን ግን ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ መርሕነት ዝቖመት ከምዝኾነት ደጋጊሙ እናስተምሃረ ነዚ ዘይቅበል ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣለዅ ክብል ከምዘይክእል ዝገልጽ በሳል ናይ ስነ ቤተ ክርስትያን ሃብቲ ከምዝሓደገ ዕለት 6 ሰነ 2007 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ከምዝገለጹ ዝዝከር ኢዩ።

ቆጵሪያኑስ ኣብ 258 ዓ.ም.ፈ. እምነተይን ቤተ ክርስትያነይህ ሕዝበ እህግዚኣብሔርን ኣይክሕድን ቢሉ ናይ እምነት ሰማዕትነት ከምእተቐበለን፣ ብምትሕብባርን ብፍቕርን ዝኾነ ይዅን እንቕበሉ ስቓይ ብክርስቶስ ክንጸሮን ናብቲ ልዑል ኣምላኽ መሥዋዕቲ ገይርና ከነቕርቦ ምእንቲ ካልኦትን ዘሳድዱናን ንጸሊ ከምዝበለ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ ብምጥቃስ ከምዘረድኡ ይፈልጥ።








All the contents on this site are copyrighted ©.