2009-09-15 14:44:03

“ንጽሕና ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ መንጎ ሕግን ፍቕርን ዘሎ ርክብ”

  


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ብነበር ተመሃርቶም ዘቖመ ማኅበር ተማሃርቲ ራትዚንገር ኣባላት ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ካስተል ጋንደልፎ ዓመታዊ ዓውደ መጽናዕቲ ምስ ዘካየዱ ከምእተራኸቡ ተሓቢሩ። RealAudioMP3 ቅዱስነቶም ነቲ ናይዚ ብስሞም ዝጽዋዕ ማኅበር ኣባላት ዘካይድዎ ዓውደ መጽናዕቲ መፈጸምታ ዕለት 30 ነሕሰ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “ንጽሕና ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ መንጎ ሕግን ፍቕር ዘሎ ርክብ” ብዝብል ኣርእስቲ ስብከት ከምዘስምዑን፣ “ክርስትና ናይ ግብረ ገብ ቅርጺ ማለት ኣይኮነን፣ ጽቡቕን ክፉእን እቲ ንኽራኸበና ዝመጽእ ሓቂ እምበር ኣንሕና ኣይኮናን ንፈጥሮ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቅን ፍቕርን ኢዩ። ብኢድና ሒዙ የሰንየና ኣብ ውሽጥና ድማ ይሓድር፣ መጠን ብኣኡ ንኽንትንከፍ ምስ እንደልን እንፈቅድን እቲ ርክብና ናብ ዕርክነትን ይልወጥ ፍቅርን ድማ ይኸውን፣ ኣንሕና እውን ገዛእ ርእስና ንኸውን። ስለዚ በቲ ናቱ ንጽሕና ነጺሕና በቲ ናቱ ፍቕሪ እነፍቅርን ካልኦት ናብቲ ናይ ኢየሱስ ንጽሕና ፍቕርን ንምምራሕ ትጉሃት ሰባት ንኸውን ኢሎም።

ከምቶም ጓሳ ዘይብሉ መጓሰይ እታ ቅንዕቲ መገዲ ኣበይ ከምዘላ ዘይፈልጡን መገዲ ዝጠፈኦም ኣይኮናን፣ እታ ቅንዕቲ መገዲ ዘመልክትናን ናብታ መገዲ ዝመርሓና እግዚኣብሔር ተገሊጹ ኢዩ። ኣብ ሕይወትና ሓቂ ኣነጺርና ክንፈልጥ ዘብቕዓና ድላይ ናቱ ንፈልጥ። እዚ ድማ ሓጎስ ይብሃል። እቲ ሓጎስ ብእግዚኣብሔር ስለ ዝተገለጸልና እምበር በይንና ኣይመለለናዮን ስለዚህ ትሑታትን ሕጉሳትን ዝገብረና ጸጋ ኢዩ” ኢሎም።

“እግዚኣብሔር ብናጻ ገዛእ ርእሱን ድላዩን ገጹን ገሊጹልና ኢዩ። ምእንቲ’ዚ እቲ ሓጎስ ኣባና እንተድኣ ጠጢዑ፣ ነቶም ዘይኣምኑ ከምዘደንቕን ከምዝትንክፍን ዘየጠራጥር” እውን ምዃኑ ሓቢሮም፣ “ኣባና እዚ ሓጎስ እንተድኣ ዘይተርኣየ፣ ንኻልኦት ኢኣማንያን ኣመንቲ ንኽኾኑ እንህቦ ምዝክርነት ባዶ ኢዩ” ኢሎም፣ ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ኣብ ሕግን ፍቕርን ዘሎ ርክብ እንከረድኡ፣ “ኢየሱስ ከምዝበሎ ባሮት ዘይኮናስ ኣዕሩኽቱን ፈተወቱን ኢና፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ሕጊ ነቶም ነጻነት ዘይብሎም መምርሒ ዘይኮነስ፣ ምስ ፍቕሪ እግዝኣብሔር ዘራኽበናን ኣባላት ሥድራ ቤት እግዚኣብሔ ዝገብረና፣ ሓራ ዘውጽኣና ንፍጽምና ዝመርሓና ኢዩ፣ ሕጊ ናይ ፍቕሪ ቃል ስለ ዝኾነ ድማ ጸረ ነጻነት ንነጻነት ዝድርት ዘይኮነስ፣ በቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ዕርክነት መሠረት ውሳጤና ንኽንሕደስ ዝገብረና ናይ ፍቕሪ ቃል ኢዩ” ምስ በሉ፣ “ንስኻ እቲ ንጹሓን ዝገብረና ሓቂ ኢኻ እሞ በታ ናትካ ሓቂ ኣንጽሓና፣ በቲ ምሳኻ ዘሎና ዕርክነት ናጻን ደቂ እግዚኣብሔርን ንኸውን ኣብ መኣድኻ ንኽንሓብር ብቕዓት ዘለዎምን እቲ ናትካ ብርሃን ዘጉልሕ ንጽሕናን ሕያውነትን ኣብ ዓለም ነኸነስፋሕፍሕ ኣብቅዓና” ዝብል ጸሎት ከምዝደገሙ ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.