2009-09-15 14:48:53

ናይ ዘይቕሕም ተስፋ መሰኻኽር


ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ትማሊ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 6 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም.ፈ. ብርእደ መሬት ኣዚያ ኣብ ዝተጠቕዔት ናይ ክፍለ ሃገር ኣብሩዞ ርእሰ ከተማ ላኣኵይላ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝገበሩ ተሓቢር። ብፁዕነቶም እቶም ነዛ ብርእደ መሬት ኣዚያ ዝተጎድኤትን ዝዓነ RealAudioMP3 ወትን ከተማ ዳግም ንምሕናጽን ነቶም ዝተመዛበሉን ኣብ ንቡር መነባብርኦም ንኽምለሱ ብዝተፈላለየ መዳይ እቲ ማኅበረ ሰብ ፋሕ ከይብልን ዘተኣኻኽብን ዘራኽብን ዘጽንዕን ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣገልግሎት መንፈሳውን ሃይማኖታውን ውርሻ ዝምስክር ኢዩ ቢሎም ብምግላጽ ምስጋና ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፈጺሞም ቅድሚ ምምላሶም ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ተቐማጦ ላኣኵይላ እቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ሓገዝን ቤተ ክርስትያን እተገልጸሎምን እትምስክሮን ዘሎ ፍቕርን ኣዚዮም ዝርድኡን በይኖም ከምዘይኮኑ ዘረጋገጸሎምን ከምዝኾኑ ጠንቂቖም ዝፈልጡ ምዃኖምን ኣመልኪቶም፣ ናይቲ ዅሉ ምትሕብባርን ምቅርራብን ድላይን ተግባርን ካብቲ ናይ ኢጣሊያ ናይ መፈሳውን ሃይማኖት ውርሻ ዝነቐለ ምዃኑ ቀሪቦም ከምዝርረጋገጹ ሓቢሮም።

ሕዝቢ ላኣኵይላ ናይቲ ነቕ ዘይብል ተስፋ ዘረጋገጽ ምስክር ኢዩ ኢሎም፣ 2,500 ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ናይ ክርስትያን ማኅበር ወለንተይናታት ነቲ ዝተመዛበለን ሕዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ደገፍ የቕርቡ ከምዘለው ድማ ገሊጾም፣ ንሕዝቢ ኣብ ሓጎሱን ሓዘኑን ስቓዩን ክትሓብሮ እንከሎኻ እምነትካ ኢኻ እትምስክር እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.