2009-09-12 12:44:32

ዕለት መስከረም 11 ኣብ ርክባት ሃይማኖት ዘለዎ ተራ


ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶ ዕለት መስከረም 11 ሃይማኖታት ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ዘለወን ዝገራጨው ተራ ዘመልከተ ዕለት ምዃኑ ዘመልከት RealAudioMP3 መግለጺ ከምዝሃቡ ተሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ማርኬቶ ኣብ ኢጣሊያ ኣውራጃ ቪቸንዛ ኣብ እትርከብ ከተማ ረኮኣሮ ተርመ ብዛዕባ ስደተይናታትን ጸጥታን ደህንነት ምእንጋድን ስደተይናታት ኣብ ዝተኣንገድሉ ሃገር ውህደቶም ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ዕለት መስከረም 11 እታ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ናይ ሕንጸት ሰላም ዘለወን ዝተፈላለየን ዝገራጨው ተራን ኣመለኻኽታን ዝተንጸባረቕላ ዕለት ምዃና ሓቢሮም። ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ዘሎ ርክብ ኣብ ክቡር ዋጋ ምእንጋድን ምቕባልን ተመስሪቶም፣ ክትንትኑ እንከለዉ፣ ምእንጋድን ምቕባልን ኣብ ኩለን ሃይማኖታት ዘሎ መሠረታዊ ኩቡር ዋጋ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ብዝተፈላለዩ ኣኽረርቲ ምስልምናን ይገሃስ ከምዘሎን ገሊጾም፣ እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፈጥርዎ ዘለዉ ኢሃይማኖታዊ ተግባር እቶም ቅኑዓት ምእመናን እስላምን መራሕትን ብቕኑዕን ትኽክለይና መደብ ናይ ሃይማኖት ሕንጸት ክኣልይዎን ነቶም ኣኽረርቲ ከግልልዎም ሓደራ ኢሎም።

ዕለት መስከረም 11፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ኣመለኻኽታ ሕንጸት ሰላም ክሳብ ክንደይ ዝተረሓሓቐን ዝተፈላለየን ምዃኑ ዝተረጋገጸሉ ዕለት ኢዩ ኢሎም፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብዝግበር ቅኑዕን ግልጽን ምክብባር ብዝዓሰሎ ርክባት ተጸኒዑ ክውገድ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም። ኵለን ሃይማኖታት እምነተን እናመስከራ ኣኽራርነትን ዝኾነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ክቃወማ ይግብኤን ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ኣብ መደምደምታ ዘረባኦም፣ ጉዳይ ስደተይናታትን ገያሾም ኣመልኪቶም ስደተይና ብግቡእ ምቕባልን ኣብ መንጎ እተን ስደተይና ዘእንግዳን እቲ ዝእንገድ ስደተይናን ጽቡቕ ርክብ ክህሉ ከምዘተባብዕን ተኸባቢርካ ብስኒት ተቐባቢልካ ንናይ ምንባር ከይዲ ዓቢ ግደ ኣለዎ ኢሎም። ናይ መንግሥቲ ኢጣሊያ ደህንነት ጸጥታን ዝብል ጽኑዕ ውሳኔኡ ስደተይና ምቕባልን ስደተይና ኣብ ዝርከበሉ ሃገርን ሕዝብን ተወሃሂዱ ንኽነብር ዘብቕዖ ዕድል ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ፣ ስለዚህ ናይ ጸጥታን ደህንነትን ውሳኔ ጸረ ሰብኣዊ ክብርን ፍቓድን ክኸውን የብሉን ኢሎም ኣብ ዝኾነ ይኹን መዳይ ናይ ስደተይና ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ብዝኾነ ይኹን ውሳኔ ክገሃስ የብሉን ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.