2009-09-10 13:37:26

ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቅ ንስትዮ


መንግሥቲ ኢጣሊያ ብተረይና ሊቀ መንበር ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሸሞንተ ሃገራት ማኅበር ዘለዎ ኃላፍነት ምስ ናይ ሃገሩ ናይ ማዕረነት ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትር ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ደቅ ንስትዮ RealAudioMP3 ዝፍጸም ዓመጽ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዘተ ክግበረሉ ዘነቓቐሖ ጉባኤ ኣብ ሮማ ብወጊዒ ትማሊ ንጎሆ ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።

ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ነቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝቕጽል ጉባኤ ብዘስምዕዎ ዘረባ ክኸፍቱ እንከለዉ፣ ነጻነትን ስብአዊ ክብርን መሰል ማዕርነት ደቀንስትዮን ምሉእ ብምሉእ ውሑስ ኮይኑ ንኸይረጋገጽ ናይቲ ዘሎ ዝሑል ጻዕርን ከይዲ ናይ ኩላትና ኃላፍነት ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ጉባኤ ናይ ኢጣልያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፍራንኮ ፍራቲኒን ናይ ኢጣልያ ናይ ማዕረነት ጉዳይ ሚኒ. ማራ ካርፋኛናን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ምክትል ዋና ጻሓፊ ዓሻ ሮሰ ሚጊሮን ናይ ስነ ሕክምና ኖበል ተሸላሚት ኢጣሊያዊት ሪታ ለቪ ሞንታልቺኒን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ወከልትን ብዛዕባ ጉዳይ ደቀንስትዮ ዝከታተሉን ዝሓልዩን ናይ ዝተፈላለያ ዘይመንግሥታውያንን መንግሥታውያንን ማኅበራት ወከልቲ ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።

ናይ ወሲብ ዓመጽ፣ ምዝመዛን፣ ኣብ ማእከል ስድራ ቤት ዝፍጸም ዓመጽን ኣብ ናይ ሕድ ሕድ ውግእን ኣብ ሥራሕ ዓለምን ኣብ ልዕሊ ደቅ ንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ብዙሕ ከነሱ ናይዚ ዓመጽ እዚ ኣደዳ ዝኾና ብዛዕባ ዝወረደን ሓደጋ ዓው ቢለን ንዝግበኦ ኣካል ዘስምዓ ውሑዳት ምዃነን ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ ናይ ዝተፈላለዩ ዓመጻት ኣደዳ ከምኾነት ናይ ኢጣሊያ ናይ ማዕርነት ጉዳይ ሚኒ. ካርፋኛና ነቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዖኦ ዘረባ ሓቢረን። ናይ’ዚ ጉባኤ ናይ ሓባር ናይ መግለጺ ሰነድ፣ ነቲ ኣብ ዕለት 25 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝካየድ ናይተን ብኢዳንስትሪ ዝማዕብላ ሃገራት ጉባኤ ክተሓላለፍ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፍራንኮ ፍራቲኒ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

እዚ እንነብረሉ ዘለና ዘመን ክብድሆም ዝግበኦም ዓበቲ ጉዳያት ኣብ ዓለምና ዝረአዩ ዝተፈላለዩ ጊልያነት፣ ምልካዊ ሥርዓታት ንምውጋድን ምኽባር መሰል ማዕርነት ደቅ ንስይቶ ምርግጋጽን ከምዝኾነ ኔው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሕትመቱ ከምዝሓበረ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.