2009-09-09 14:39:39

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ጳጳሳት ብራዚል.


ብፁዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብራዚል አብ ቫቲካን ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉ ክዝከር ከሎ ፡ ትማሊ ንግሆ ናይ ምዕራባዊ ብራዚል ጳጳሳት አብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ አዳራሽ ካስተል ጋንደልፎ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ከም ዝተራኸቡ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።

ካቶሊካውያን ጳጳሳት አብ ሐሙሽተ ዓመት ሐደ ግዜ መቃብራት አዕኑድ ቤተክርስትያን ቅዱሳን ጰጥሮሰ ወ ጳውሎስ ከም ዝሳለሙን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተራኺቦም ኩነታት አብያተክርስትያናቶም ዘተኮረ ዘተ ከም ዝገብሩን ይዝከር።

አብ ብራዚል ክልተ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝነብርን መብዛሕትኡ ካቶሊካዊ እምነት ከም ዝኸተልን ክፍለጥ እንከሎ ብራዚል ትማሊ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፖርቱጋል ነጻ ዝወጸትሉ መበል ሚእቲን ሰማንያን ሸውዓተን ዓመት ዘኪራ ከም ዝውዓለት ተፈሊጡ አሎ።

አብዚ ዕግርግርን ምድንጋርን ዝመልኦ ዓለም”ዚ ክርስትያን ጸግዒ ክርስቶስ ብምዃን ተስፋን ተድላን ከም ዝርከብ ከግሕዱ አለዎም ብማለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንጳጳሳት ብራዚል ከም ዝገለጹሎም ፡ እቲ መግለጺ አመልኪት።

አብ ዓለም ናብራ ዝርከቡ መንእሰያት አሰር ክርስቶስን አሰር ካህንን ምእንቲ ክኽተሉ ዝሃንጽዎም ፡ መንፈሳውያንን ደቂ እግዚአብሔርን ዝኾኑ ሰባት ከም ዘድሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝገለጹ ክአ ተፈሊጡ አሎ ።

ሞራል ፈሪሐ እግዚአብሔር ዘለዎ ፡ አብ ፍትሒ ርትዒን ሰላምን ዝአምን ዱልዱል ቤተሰብ ማኅበረሰብን ኅብረተሰብን ብራዚል ምእንቲ ክህሉ ቤተክርትያን ብራዚል ጽቡቅ አብነት ዝኾኑ መንፈሳውያን ውሉደ ክህነት ክተሰናዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘተሐሳሰቡ መግለጺ ቫቲካን አገንዚቡ ።

አብ ብራዚል ማዕርነት ሐርነት ምትሕብባር ዝአመሰሉ እምነት ቤተክርስትያን ምእንቲ ክዕንብብ ዘየቋርጽ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ክካየድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንጳጳሳት ብራዚል ከም ዘተሐሳሰብዎም ክአ እቲ መግለጺ አመልኪቱ ።

በብግዚኡ አብ ብራዚል ዝካየድ ጉዳይ ሥነ ምግባር ዚምልከት መጐተ ንህዝቢ ዘሔጉስ ኰይኑ ከም ዝርኤ ዝገለጹ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ይኹን ድአምበር አባላት ቤተክህነት ከይተረፈ መሠረታዊ ሓቅታት ንአብነት እምንተ ሃይማኖት ፡ ዝሰርን ዘይሰርን ሐጢአት መንግስተ ሰማያትን ገሃነመ እሣትን ፀጋ እግዚአብሔር ፡ ምስጢር ንባበ መለኮት ሞት ፡ ፍርደ እግዚአብሔር ዘይምጥቃሱ ጽቡቅ ከም ዘይኮነ ንጳጳሳት ብራዚል ከም ዝገለጹሎም ክአ እቲ መግለጺ ሀበሬታ ሂቡ ኣአሎ ።

ቤተክርስትያን ብራዚል ስብሐት እግዚአብሔርን ድሕነት ነፍሳት ሰባትን አብ መጀመርያ ደረጃ ብምስራዕ ፡ ሐዋርያዊ ስራሐት ክብ ከተብል ክአ ከም ዝመኸሩ ተነጊሩ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.