2009-09-08 13:26:42

ድምጺ ናይቶም ካብ ማኅበረሰብ ዝተነጸሉ


ኣብ ብራዚል ትማሊ እቶም ብዝተፈላለየ ማኅበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ጉዳይ ተደረኺም ካብ ማኅበሰብ ተነጺሎም ዝነብሩ ዝዝከርሉ ብሔራዊ ዕለት ከምዝነበረ ተሓቢሩ። እዚ ካብ ማኅበረሰብ ዝተነጸሉ ዝዝከርሉ ዕለት RealAudioMP3 ነቶም ድኻታትን ስደተይናታትን ኣብ ዘስካሕክሕ ባህላውን ሰብኣውን ድኽነትን ወዲቖም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ክፍሊ ኅብረተሰብ ዝዝከርሉን ምእንታኦም ዝወሃብ ግብረ ሰናይ ንምንቕቓሕ ዝሓቀነ ከምዝኾነ ክሕበር እንከሎ፣ ናይዛ ዕለት’ዚኣ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ኩሉ መዳይን ኣብ ዝኾነ ኩርናዕን ሓለዋ ውሕስነት ሕይወትን ክረጋገጽ ኣብ ምኽባር መሠረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን፣ መደብ ሕንጸትን ሓለዋ ጥዕናን መዕቆብን ባህልን ንዅሉ ውሕስ ምግባር ዝብል ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ክቡር ዋጋ ዝነቓቓሓሉ ዕለት ምዃኑ ኣብ ብራዚል ናይ ሳን ፓውሎ ሊቀ ጳጳስን ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ናይ ፍትሕን ፍቕርን ሰላምን ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፐድሮ ሉዊስ ስትርንጊኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ዝተነጸሉ ዝበሃሉ ክፍሊ ማኅበርሰብ ዓበይትን መንሰያትን ሕጻናትን ዝርከብዎም ግዳም ሓደርን ኣብ ሥፈር ድኻታት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ክፍሊ ከተማ ዝነብሩን ዕለታዊ ናብራኦም ንምምራሕ ኣብ ዘስካሕክሕ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝገሃሰሉ ዕዮ ዝዋፈሩን ኣብ ዘመን ዘምጽኦ ጊልያነት ወዲቖም ዝርከቡን ብሓፈሻኡ እቶም ብሩህ ናይ መጻኢ ሕይወት ዝጸልመቶምን ገና ከይሞቱ ኣብ ድነ ሞት ዝርከቡ ምእንታኦም መፍትሒ ክረከበሎም ድምጽኻ ብዓውታ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ንምስማዕን፣ እንትጣበቐሉን ዕለት ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝደረስዋ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ መሪሕ ዝገበረ ዕለት እውን ከምዝነበረ ኣረዲኦም፣ ብተወሳኺ እቶም ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ካብ ምግባረ ብልሽውናን ኢሞራላዊ ሕይወትን ናጻ ክኾኑ ከምዘለዎም እዚ መምዘኒ እዚ ዘየማልእ ሕዝብን ሃገርን ክውክል ከምዘይክእል ዝእዝዝ ሕጊ ኣብ ብራዚል ክሕንጸጽን ኣብ ግብርኪ ክውዕልን ዝዕድም ክታም ናይ ምእካብ ወፈራ ይካየድ እውን ከምዘሎ በዚ ኣጋጣሚ ሓቢሮም፣ እዚ ዓይነት ሕጊ ኣብ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ኵሉ ዜጋ ዓቢ ጽላዋ ኣለዎ ኢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ድምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.