2009-09-08 13:29:02

ዓለም ሓቆፍ ሜላ ክንክን ማያት ውቅያኖስን ባሕርን


ኣብ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝጸወዖ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ሜላ ክንክን ጥዕና ማያት ውቅያኖስን ባሕርን ኣሞርኲዙ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። RealAudioMP3 እዚ ካብ ኣውስትራሊያ ብራዚል ካናዳ ቺለ ክሮኣዚያ ፊንላንድ ጀርመን ጋና ዓባይ ብሪጣንያ ህንዲ ሲሸልስን ካብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ናይ መንግሥትን ዓበይት ኣካላትን ናይ ስን ፍጥረት ሊቃውንትን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ማሕበራት ማለት ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር፣ ዓለም ሓቆፍ ሊቃውንቲ ኩነታት ኣየር መጽናዕቲ ማኅበር፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ትምህርትን ሳይንስን ባህልን ማኅበር፣ ናይ ከባቢ ጉዳይ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ወከሊቲ ዘሳትፍ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ፣ ብዛዕባ ጥዕና ማያት ውቂያኖስን ባሕርን፣ ሃብትታት ውቂያኖስን ባሕርን ኣብ ልዕሊ እዚ ሃብቲ ተፈጥሮ ብኢደ ሰብን ኮነ ብተፈጥሮን ዝወርድ ሓደጋታትን ጠንቅታቱን ሚዛኑን ዳህሲሱ ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ዘብቕዕ መምርሕታት ክሕንጸጽን ነዚ ዘፈጽም ናይ ፖሊቲካን ናይ ቁጠባን ውሳኔ ከጽድቕ እውን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.