2009-09-08 13:25:09

ምእንቲ መሰልን ፍቓድን ክኽበር


ኣባ ቸቺሊዮ ሉቸሮ ካብ ርእሰ ከተማ ማኒላ ብሸነኽ ደቡብ 480 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከ ከተማ ሳን ኮሴ ብመኪና እናተጓዓዙ እንከለዉ ካብ ሰላሳ ዕጡቓት ሰባት ብዝተተኮሶም ጠያይት ናይ ሞት RealAudioMP3 ምሳኦም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ድማ ናይ መቑሰልቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም ተሓቢሩ።

ኣባ ቸቺሊዮ ሉቸሮ ኣብ ፊሊፒንስ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ኣብ ማኅብራዊ ጉዳይ ማዕርነትን ቅሳነትን ክረጋገጽ ተዋፊሮም ቤተ ክርስትያንን ሕዝቢ ፊሊፒንስን ዘገልግሉ ዝነበሩ ናይቲ ኣብ ሰበኻ ካታርማን ናይ ዝርከብ ሶሻል ኣክሽን ሰንተር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማእከል ማሕበራዊ ተግባር ኣመሓዳሪ ኮይኖም ምእንቲ ዝተናዓቑን መሰልን ፈቓድ ዝተነፈጎምን ዝጣበቑ ከምዝነብሩ ይሕበር። ቅድሚ እዚ ዝወረዶም ናይ ሞት መጥቓዕቲ ነቲ ኣብ ማኅብራዊ መዳይ ዝህብዎ ኣገልግሎት ነኸቋረጹዎ ብተደጋጋሚ ናይ መፈራርሒ መልእኽቲ ይበጽሖም ከምዝነበረ ናይ ፊሊፒንስ ሕዝባዊ ባይቶ ኣባል ዝነበሩ ሓዎም ከምዝገለጹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ፊሊፒንስ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ኣባል ጳጳሳዊ ናይ ግብረ ተልእኮ ማኅበር ኣባ ሰባስቲያኖ ዳ’ምብራ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣባ ቸቺሊዮ ሉቸሮ ኣብ ማኅበራውን ሰብኣውን መዳያት ተዋፊሮም ዓቢ ምስክርነት ዝህቡን ምእንቲ ምርግጋጽ መሰልን ፍቓድን ሕዝቢ ፊሊፒንስ ከይተሓለሉ ነቲ ዝርኤይ ማኅበራዊ ሓጢኣት ዘቓልዑ ከምዝነበሩን ገሊጾም፣ ኣብዚ ኣባ ሊቸሮ ዝተቐተልሉ ከባቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝዓዩ ተመሳሳሊ ናይ ሞት ሓደጋ ብቐጻሊ ዘጋጥም ምዃኑ ገሊጾም፣ ንሕዝቢ ቐረባ ምዃንን ኣብ ጎድኑ ደው ምባልን ንቤተ ርክስትያንን ንወንጌልን እሙን ኮይንካ ምግልጋልን ምምስካርን፣ ኵሉ እፍትህቦ ኣገልግሎ ካብ ፍቕሪ ዝተበገሰ ገርካ ከተገልግል ቀሊል ኣይኮነ ኢሎም፣ ሕይወትካ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምንባር ጥራሕ ኢዩ ዘድሊ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.