2009-09-05 11:58:23

ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ቡርኪናፋሶ


በቲ ኣብ ቡኪናፋሲ ተከሲቱ ዘሎ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ዝናም ብዙሓት ሕጻናት’ዛ ሃገር ንሓደገይና ሕማም ሸሮኽ ተቓሊዔም ከምዝርከቡ ይንገር። በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕልቕላቕ ማይ ሸውዓተ ሰባት RealAudioMP3 ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ብዙሓት ገና ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን ብናይ ሰብኣውን ተፈጥሮን ሓደጋ ኃይሊ ምክልኻል ኣባላት ይድለዩ ከምዘለዉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብጠንቂ’ቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ምዕልቓላቕ ማይ ዝተፈጥሩ ጸገማት ንምፍታሕ ሓይሊ ምክልኻል ናይ ሰብኣውን ተፈጥሮን ሓደጋ ኣባላት ኣብተን ዝተጠቕዓ ከተማታት ተዋፊሮም መገዲ ኣብ ምጽራይን ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ መዳያት ንሕጹጽ ኣገልግሎት ቅሩባት ንምግባርን ይጽዕሩ ከምዘለዉን፣ ብሕልፊ ድማ ናይ ኣባይቲ ሕክምናታት ነቲ ዝተጎድኤ ሕዝቢ ኣገልግሎት ንምሃብ መታን ክኽእላ፣ ዘድሊ ደገፍ ይቐርብ ከምዘሎን፣ ኣብ ዞጎና ዝርከብ ናይ እኖ ማርያም ንግስተ ሓዋርያት ማኅበር ደናግል ዝመሓድሮኦ ቤት ሕክምና ነዝተጎድኤ ሕዝቢ ናይ ሕክምናን ስነ ኣእምሮኣውን ደገፍ የቕርብ ከምዘሎን እቲ ብርቱዕ ዝናም ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎ እናቴ ኣመሊየ ሓቢረን፣ ነቲ ብዘይ ንብረትን ቤትን ንዝተረፈ ሕዝብ ደገፍ ይቐርበሉ ኣሎ ከምዝበላ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎ አመልኪቱ።

በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕልቕላቕ ማይ 150 ሺሕ ኣባይቲ ከምዝዓነወን ናይ መንግሥቲ ቡርኪናፋሶ ዝሃብዎ ጸብጻብ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.