2009-09-05 13:50:53

ሓዋርያዊ ዑደት ጳጳሳት ብራዚል አብ ቫቲካን.


ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል አብ ቫቲካን ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለው ፡ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ። አብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት አብ ሐሙሽተ ዓመት ሐደ ግዜ መቃብራት ሐዋርያት ጰጥሮሰ ወጳውሎስ ከም ዝሳለሙን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተራኺቦም አብያተ ክርስትያናቶም ብዚምልከት ከም ዝዝትዩን ይፍለጥ።

ብራዚል ሚእቲን ተስዓን ሚልዮን ህዝቢ ዝነብራ ዝበዝሔ ህዝባ ካቶሊካዊ እምነት ከም ዝኸትል ክምልከት ከሎ ካብቶም አብ ቫቲካን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ጳጳሳት ብራዚል ገሊኦም ትማሊ ምስ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝተራኸቡ እቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

አብ ብራዚል ናይ ሰበኻ ማርያና ሊቀ ጳጳስን ናይታ ሀገር ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበርን ብጹዕ አቡነ ገራልዶ ሊይርዮ ህሉው ኩነታት ቤተክርስትያን ብራዚል ፡ አመልኪቶም መግለጺ ከም ዝሀቡ ክምልከት ከሎ ፡ አብ ብራዚል ከምተን ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ዓለም አብ ዓበይቲ ከተማትጋት ዝነብር ህዝቢ አብ እምነቱ ሸለልትነት ከም ዘርኢ ዝተፈላለዩ ፡

መሠረታዊ ዓላማ ቤተክርስትያን ዝስሐቱ ናይ እምነት ጉጅለታት ሰክትስ ክዝምብዩ ከም ዝርአዩ ጠቂሶም በቲ ሐደ ወገን ክአ ካቶሊካውያን ምእመናን አብ እምነቶም ጠቢቆም ሃይማኖታዊ ጉቡኦም ክፍጽሙ ከም ዝርአዩ አመልኪቶም ፡ ቤተክርስትያን አብቲ ማኅበራዊ ሽግር ዘለዎ አከባቢ ብራዚል ሽግር ህዝቢ ንምፍታሕ ዝክአላ ከም ትገብር መግለጺ ሂቦም አለዉ ብራዚል ሐንቲ ካብተን አብ ምምዕባል ዝርከባ ሀገራት ከም ዝኾነት ይፍለጥ።








All the contents on this site are copyrighted ©.