2009-09-03 14:22:06

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝገብር ዘተ


ኣብ ሆላንድ ከተማ ቦቨንካርስሥፐል ኣን ዝርለን ሰበኻ ሃርለም ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ንናይ ክርስስትያን ሓድነት ምርግጋጽ ቀንዲ መንፍነሳውን ሰብኣውን ዕላማኦም ገይሮም ዘገልገሉ ብዅለን ኣቢያተ ክርስትያናትን RealAudioMP3 ማኅበረ-ሰብ ክርስትያን ዝዝከሩ በዓል ዓቢይ ስም ነፍስሄር ብፁዕ ካርዲናል ጆሃነስ ዊለብራንድስ ዝተወልድሉ መበል 100 ዓመት ጽባሕ ዕለት 4 መስከረም 2009 ዓ.ም. ብዓቢ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ክዝከሩ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ብጹዕ ካርዲናል ዊለብራንድስ ዕለት 4 መስከረም 1909 ዓ.ም.ፈ. ከምእተወልዱ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ 1960 ዓ.ም.ፈ. ብር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ንናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኮይኖም ተሓሪዮም ከምዘገልገሉን፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንዝገብር ዘተ ዝምልከት መምርሒ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምሕንጻጽን ምርቃቕን ሓሳብ ኣብ ምቕራብን ዝነበሮም ተራ ዝነኣድ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ናይ ክርስትያን ሓድነት ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ኅያው ምኻኑ ይንገር።

ብፁዕ ካርዲናል ዊለብራንድስ ዕለት 2 ነሓሰ 2006 ዓ.ም.ፈ. ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ክዝከር እንከሎ፣ ኣብ ናይ ክርስትያን ሓድነት ምንቅቓሕ ተልእኾ ዝፈጸመዎ ኣገልግሎት ዝገልጹ ክልተ ተኸታታሊ መጽሓፍቲ ኣብዚ መበል 100 ዓመት ልደቶም ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ንንባብ ከምዝበቕዔ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.