2009-09-03 14:20:56

መበል 5ይ ዓመት ዝኽሪ ኣደዳ ኣሸበርቲ ኣብ ቤስላን


ናይ ሩሲያ ፈደራላዊት መንግሥቲ ኣብ ቸቸኒያ ነዘካይዶ ወግእ ደው ንኸብሎ ዝሓቱ ዕጡቃት ሰባት ዕለት 1 መስከረም 2004 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሰሜናዊ ኦሰዚያ ከተማ ቤስላን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ RealAudioMP3 ብምእታውን ሕጻናት ተመሃሮን ሠራሕተይናታትን መምሃራንን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብምእታው ዓጊቶም ንዝፈጠርዎ ሥርሒት ምጭዋይ ንምፍሻል ናይ ሩሲያ ኃይሊ ጸጥታ ተዋፊሩ ምስቶም ጨወይቲ ብዝተፈጥረ ሳዕቤን ግጭት ግዳይ ዝኾኑ 330 ተመሃሮ ዕለት 1 መስከረም 2009 ከምእተዘከሩ ገሊጹ።

መበል 5ይ ዓመት ዝኽሪ ኣደዳ ኣሸበርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቤስላን ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን እቲ ኣብ ካውካሶ ዘሎ ቅልውላው ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎን፣ ኣብ ቸቸኒያ እውን እቲ ዘይምርግጋእን ውጥረትን ገና መፍትሒ ከምዘይረኸበ ናይ ኮሬሬ ደላ ሰራ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ሞስኮ ልኡኽ ጋዜጠይና ፋብሪዚዮ ድራጎሰይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ እቲ ውግእን ውጥረትን ሁከትን ናይ ሽበራ መጥቃዕትን ሕጂ እውን ገና ደው ኣይበለን ኢሎም። እቲ ኣብ ቤስላን ዝተኸስተ ህልቂት ህጻናት ተመሃሮ እትዝከረላ ዕለት፣ ኣልፋ እተሰምዩ ፍልዩ ናይ ሩሲያ ወተሃደራት ናይቶም ጨወይቲ ሥርሒት ንምፍሻል ዝፈጸመዎ ጸረ ኣሸበርቲ ወተሃደራዊ ስልቲ ዘይዕዉት ብምንባሩ ብመንግሥቲ ደረጃ ዳርጋ ከምዘይዝከር ገሊጾም፣ ብኣቢያተ ክርስትያናትን ካልኦት ሃይማኖታትን እዛ ዕለት ብጸሎትን እስተትኖን ተዘኪራ ከምዝወዓለት ገሊጾም ኣለዉ።







All the contents on this site are copyrighted ©.