2009-08-29 14:33:52

ተልእኮ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት


ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ካስተልጋንዶልፎ ኣብቲ ፎኮላሪኒ ኣፍቅሮተ ዘቤት ተባሂሉ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ማእከል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ስነ ፍልጠን ባህል ማሕበር ራትዚንገር RealAudioMP3 ዓመታዊ ጉባኤ ዓውደ መጽናዕቲ “ተልእኮ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ትማሊ ከምዝጀመረ ተገሊጹ። እዚ ዓወደ መጽናዕቲ’ዚ ዕለት 31 ነሓሰ 2009 ዓ.ም.ፈ. ቀዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ብዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክፍጸም ምዃኑ ተመልኪቱ።

ኣብዚ ዓወደ መጽናዕቲ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፣ ገና ናይ መንበረ ጥበብ መምህር እንከለዉ ብሽሞም ተመሃርቶም ዝነበሩ ዝመሥረትዎ ናይ ስነ ፍልጠትን ባህልን ማኅበር ዘካይድዎ ዓውደ መጽናዕቲ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ፍጻሜ እቲ ጉባኤ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ክራኸቡን ምዃኖም ተሓቢሩ። ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1977 ዓ.ም.ፈ. ንቲዮሎጊያ ሊቅ ካህን ጆሴፍ ራትዚንገር ናይ ሚዩንሽን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ክኾኑ ምስ ሾምዎም እቶም ናይቲ ብሽሞም ዝጽዋዕ ናይ ስነ ፍልጠትን ባህልን ማኅበር ኣባላት ምስኦም ከምእተራኸቡን እነሆ ድማ ኣባላት ናይቲ ማኅበር ብቐጻሊ ኣብ ናይ ብጹዕ ኣቡን ቀጺሎም ብጹዕ ካርዲናልን ኅየንተ ናይቲ ዓንቀጸ ሃይማኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበርን ኮይኖምን ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ. ድማ ንመንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተሓረዮ ከየቋረጹ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘቕረብዎን ዘቕርብዎ ዘለዎ ኣስተምህሮታት እናተመሥረቱ ዝተፈላለየ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዘካየዱ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ብናይ ቀደም ተመሃሮ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዝቖመ ናይ ባህሊ ማኅበር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብትኽክል ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ. ምስ እስላም ሃይማኖት ዘሎ ርክብ ብዝብል ኣርእስቲ ዓቢይ ኣድናቖት ዘትረፈ ጉባኤ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዘካየደ ዝዝከር ኢዩ፣ ኣብ 2006 ከማኡ ድም ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ፍጥረትን ፍልቀትን ወይ ድማ ዘገምታዊ ለውጢ ፍጥረትን፣ ኣብ 2008 ዓ.ም.ፈ. ድማ ኣብ መንጎ ወንጌላውያን ዘሎ ርክብን ናይ ታሪኽ ኢየሱስንን ናይ ድኅነት ኢየሱስ ስቓይን ብዝብል ኣርእስቲ ተሰንዩ ጉባኤ ዓወድ መጽናዕትታት ከምዘሳለጠ ዝዝከር ኢዩ።

ኣብዚ ብማኅበር ናይ ቀደም ተመሃሮ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ትማሊ ኣብ ዝተጀመረ ጉባኤ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ቪየና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ክሪስቶፍ ሺዩንበርን ዝርከብዎም ኣርብዓ ተጋብእያን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.