2009-08-29 14:40:58

ማኅበርሰብ ክርስትያን ዒራቕ


ኣብ ዒራቕ ማኅበረሰብ ክስትያን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ እንክሕበር፣ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብዛ ሓገራ ሰላም ወሪዱ ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ዓሌታትን ምክብባርን ምቅብባልን RealAudioMP3 ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ብምኽንያት ራማዳን ሎሚ ናይ ኪርኩክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሳኮ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ድራር ዕድመ 50 ናይ ማሕበራሰብ ክርስትያንን እስላምን ወከልቲ ክሳተፉ ከምዝኾኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። መኣዲ ናይ ምሕዝነትን ሕውነትን ሓድነትን ፍቕርን መለለዪ ከምዝኾነን ብፁዕ ኣቡነ ሳኮ ከምዝገለጹ እዚ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ሕብዚ ዒራቕ ናይ ሓባር ዕርቅን ሰላምን የድልዮ ኢዩ ብዘይ ይቕረ ምብሃሃል ድማ ዝረጋገጽ ዕርቂ የለን ቢሎም ሕዝቢ ዒራቅ ሽግራቱ ብዘተ ክፈትሖ ናይ ዘተ ባህሊ ከማዕብል ከምዘለዎ ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

መንግሥቲ ዒራቕ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ኣሸበርቲ ንምዕጋት ናይ ህዝቢ ደህንነትን ጸጥታን ውሑስነቱ ንምርግጋጽ ዝከኣሎ ይገብር ከምዘሎ እውን ኣቡነ ሳኮ ገሊጾም፣ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ውጥረትን ሁከትን ክሳብ ክንደይ ዘተን ዕርቅን ኣድላዪ ምዃኑ ዝሕብር ኢዪ ከምዘበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ማሕበረሰብ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ኣሸበርቲ ዒላማ ስለ ዝኾኑ ድማ ብዙሓት ክርስትያን ሃገሮም ሓዲጎም ይስደዱ ከምዘለዉን ቅድሚ እቲ ዕግርግር ኣብ ዒራቕ ብዝሒ ማሕበርሰብ ክርስትያን 750 ሺሕ ከምዘነበረን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሁከትን ዘይምርግጋእን ምኽንያት ድማ እቲ ብዝሒ ክርስትያን ናብ 400 ሺሕ ከምዘረደን ሓቢሮም ቤተ ክርስትያን ዒራቕ ንጽልኢ ብፍቕሪ መልሲ ንምሃብ ትግሂቲ ኢያ ከምዘበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.