2009-08-27 14:55:21

ጥዕና ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ንምርግጋጽ


ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ኮፐንሃገን ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተጸውዔ ብዛዕባ ሓለዋ ጥዕና ተፈጥሮ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣፍሪካ እተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር RealAudioMP3 ዘውረዶ ሓደጋ ብከላ ኣየር ምኽንያት ካሕሳ ክትሓትት መደብ ከምዘለዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይተን ኣብቲ ናይ ኮፐንሃገን ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ንኣፍሪካ ወኪለን ዝሳተፋ ናይተን ሾመንተ ሃገራት ልኡካነ መንግሥቲ ኣብ ዘካይድዎ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ሱዳን ልኡካነ መንግሥቲ ከምዘፍለጡ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዴንማርክ ርእሰ ከተማ ዝካየድ ዋዕላ ነቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣብ ከባቢ ኣየር ዝወርድ ናይ ብከላ ሓደጋ ብሕልፊ ድማ ምውሳኽ ናይ መሬት ሙቐት ዝድርኽ ከይዲ ምዕባለ ንኽመሓየሽን ብከላ ንምንካይ ስምምዕ ዝተገበረሉ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ዝወድቕ ናይ ክዮቶ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝዕድምን ኣብ ምትግባሩ ኩለን ሃገራት ክነቕሓን ዘተሓሳብ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ኣፍሪካ እተቅርቦ ዘላ ናይ ካሕሳ ሕቶ እተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ካብ ዓመታዊ ምጣነ ሃብተን 5% እዚ ድማ ኣስታት 3 ሚሊያርድ ዶላር ዝግመት ከምዝኾነን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሱዳን ካልኣይ ልኡከ መንግሥቲ ሉሙምባ ዲ ኣፒግ ከምዝገለጹ ኣፍፕ እተሰምየ ናይ ፈረንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። እተን ንኣፍሪቃ ወኪለን ኣብ ናይ ኮፐንሃገን ዋዕላ ዝሳተፋ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ረብሓ ከንጻባርቓን እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ በተን ኣብ እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ናይ ዝሳተፋ ሃገራት ኣፍሪቃ ተጸወዕቲ መንግሥታት ዝተኻየደ ኣኼባ ዘውጽኦ ናይ ሓባር ሰነድ፣ በቲ ድሕሪ ጽባሕ ዝካየድ ናይ ኣፍሪቃ መራሕቲ ጉባኤ ከቃልሕ እቲ ናይ ኣዲስ ኣባባ ኣኼባ ሓደራ ከምዘበለ ሉሙምባ ዲ ኣፒግ ከምዝገለጹ እቲ ናይ ዜና ምንጪ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.