2009-08-27 14:56:45

ብሓደ ምንባር ቃል ኪዳን ምእሳር ማለት ኣይኮነን


ብዘይ ቓል ኪዳን ብሓባር ምንባር ማለት ልክዕ ከምቲ ብቃል ክዲዳን ዝምሥረት ሓዳር ኮይኑ ክሕሰብ ዝውስን ናይ ፖርቱጋል ሕዝባዊ ባይቶ ዘጽደቖ ቅድመ ንድፈ ሕጊ ርእሰ ብሔር አኒባል RealAudioMP3 ካቫኮ ሲልቫ ፊርማ ከምዘየንበርሉ ተሓቢሩ።

ሕዝባዊ ባይቶን ቤት ምኽሪ ሓጋጊ ሕግን ዘጽደቖ ቅድመ ንድፈ ሕጊ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ብናይ ሓገራዊ ቅዋም ፖርቱጋል ናይ ርእሰ ብሔር ናይ ይሕለፍ ክታም ክንበረሉ ከምዘለዎ ክንገር እንከሎ፣ ርእሰ ብሔር ካቫኮ ሲልቫ እቲ ሕጊ ናይ ዜጋታት ናይ ምርጫ ነጻነት ዝድርት ኢዩ ኢሎምን ብሕጊ መሠረት ድማ እቶም ብዘይ ሕጋዊ ቃል ኪዳን ብሓደ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ዳርጋ ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ኮይኖም ክሕሰቡ ዝግበር ቅድመ ንድፊ ሕጊ ምዃኑን ቃል ኪዳን ዘይኣሰይሩ ክነሶም ቃል ኪዳን ከምዝኣሰሩ ጌርካ ምሕሳብ ኣብ ከይዲ ናይ ሕጊ ኣገልግሎት ሽግር ዝፈጥር ኢዩ ቢሎም፣ ፍሪማኦም ከምዘየንበርሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ፖርቱጋል ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኾርኼ ኦርቲጋ ናይ ርእሰ ብሔር ካቫኮ ሲልቫ ውሳኔ ትኽክለይና ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ፖርቱጋል ራዲዮ ነናሴንሳ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.