2009-08-27 15:00:14

ርክብ መንእሰያት ሜዲትራኒያን


ናይ ኢጣሊያ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ኖልዎ ዝሓሊ ብሔራዊ ቤት ጽሕፈትን ናይ ልኡካነ ወንጌል ማኅበር መንእሰያት ብሓባር በቢ ዓመት ኣብ ሎሬቶ RealAudioMP3 ዘዳልውዎ RealAudioMP3 ናይ ከባቢ ሓገራት ሜዲትራኒያን መንእሰያት ርክብ ኣብ ማእከል ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ዕለት 1 መስከረም ክሳብ 8 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ክካየድ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግልቶ ሓቢሩ።

እዚ ዝካየድ ርክብ እቶም መንሰያት ክላለዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሕይወት ልምድን ኣብ ዝተፍላለያ ሃገራት ኮይኖም ዝረኽብዎ ዘለዉ ፍልጥት ስነ ጥበባትን ባህሎምን መሠረት ክመያየጡን እቲ ኣብ ምሕባርን ምልላይን ዘሎ ክብሩ ዋጋ ከንጸባርቑ ዘተባብዕን መንእሰይ መጋበሪያ ሰላም ክኸውን ዘነቓቕሕ ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.