2009-08-23 12:37:38

ፍልሰታ ለማርያም


ንባባት፡ ፩ቆሮ 15፡20~27 ራእይ 11፡19 12፡1~10 ሉቃ 1፡39~56

ብዓለ ፍልሰታ ነብዕል አሎና፥ እግዚእትነ ማርያም ብነፍሳን ብሥግአን ናብ ሰማይ ዝፈለሰትሉ ዕለት። እግዚአብሔር ንሰብ ዝፈጠሮ ምስኡ ክኸውን ጸግኡ ክካፈል ወዲ ሰማይ ክኸውን እዩ፥ እንተኾነ ሰብ ብነጻነቱ ነዚ ህያብ አምላኽ ነጺጉ ሞት መሪጹ፥ ብዘይካ አምላኽ ዝነብረሉ ኩነታት ፈጢሩ፥ እዚ ብዘይካ ማርያም ናይ ኩልና ዕጫ ኮይኑ። ማርያም ብዝተዋህባ ፍሉይ ጸጋ አምላኽ ብዘይ ሓጢአት አዳም ከም ትጽነስ ተገሩ እዚ ዝኾነ ኸአ አምላኽ ነቲ ዝጠፍአ ፍጡሩ ናበኡ ክመልስ ምስ ወሰነ ናይ ማርያም ምትሕብባር ሓቲቱ፥ ብመልአኹ ገሩ ኩሉ ገሊጹላ ንሳ ኸአ ከምዝበልካለይ ይኹነልይ እናበለት አብ ድሕነት ሰብ ተሳቲፋ፥ አደ መድሓኒ ኮይና ንመድሓኒ አብ ኩሉ አሰንያቶ ካብ ልደቱ ክሳብ ሞቱ ካብኡ ከይተፈለት ተጓዒዛ ነቲ አምላኽ ዝሃባ ተልእኮ ምስ ወዳ ፈጺማቶ። “ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል” እናበልና ኸአ ንገልጾ።

ማርያም ከምቲ ወዳ ካብዚ ምድሪ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ንሳ እውን አደ አምላኽ ስለዝኾነት እሞ አብአ ሕጢአት ዘይርከባ ስለዝኾነት ሳዕበን ሓጢአት ከይተንከፋ ንሰማይ ብጸጋ ወዳ ፈለሰት። ብዓለ ፍልሰታ ናይ ክርስቶስ ጸጋ አብ ልዕሊ ማርያም ዝገልጽ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ኢየሱስ ትንሣኤ መሰረት እምነትናን ተስፋናን እዩ ከምቲ ናይ አዳም ሓጢአት ናብ ሞት ዘብጽሓና ናይ ኢየሱስ ትንሣኤ ነቲ አምላኽ ዘተስፈወና ዘለዓለማዊ ሕይወት ብምሉእ ነፍስናን ሥጋናን ከምንወርስ የረጋግጸልና፥እዚ ትሩፋት ትንሣኤ ክርስቶስ አብ ማርያም ዝያዳ ተራእዩ።

ናይ ማርያም ፍልሰታ ቀዳማይ መግለጺ ናይ ኢየሱስ ትንሣኤ ዘስዕቦ ምልክት እዩ። ንሳ ናብ ኩሉ ናይ ኢየሱስ ምስጢረ ድሕነት ተሳቲፋ ስለዚ ቤተክርስትያን ማርያም ብስግአን ብነፍሳን አብ ሰማይ ምስ አምላኽ ከምዘላ ትአምንን ተስተምህርን።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሉቃስ ነዚ ብዕምቆት ይገልጾ። ቃልንቓሉ እንተ ረአናዮ ምስ እዚ ናይ ሎሚ ብዓል ዘራኽብ የብሉን። እንተኾነ ናይ ማርያምን ኤልሳቤጥን ሰውነት ዝተጻወቶ ተራ ክንርኢ ንኽእል። ምብጻሕ ማርያም ክልተአን ነፍሰጾራት ከለዋ ተፈጺሙ። ኤልሳቤጥ ንማርያም ርእይ ምስ አበለታ ዮሓንስ አብ ከርሲ አዲኡ እንከሎ ተሰራሲሩ እዚ ኸአ ናይ ኢየሱስ ጎይትነት ስለዘላለየ እዩ ነዚ ዝገለጸት ኤልሳቤጥ እያ። ንሉቃስን ንብዙሓት ተርጎምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ሰውነት ሰብ ከም መገበሪ ድሕነት አምላኽ ይጥቀመሉ፥ ማርያም አብ ከርሳ አምላኻውን ሰብአውን ባሕርይ ኢየሱስ ጸራ ክልቲኡ ባሕርይ ተወሃሂዱ እዩ ጸራቶ። ሉቃስ አነጺሩ ፍልልይ ማርያምን ኤልሳቤጥን፥ ኢየሱስን ዮሓንስ ይገልጽ። ኢየሱስ መስሕ ወዲ አምላኽ ንዓለም ብሕይወቱ፥ ሞቱን፥ ትንሣኤኡን ናብ አምላኽ ዝመልስ እዩ። አብ ኢየሱስ ናይ አምላኽ ድሕነት ተራእዩ አብኡ ባሕርይ ሰብን አምላኽን ተዋሂዶም ናይ አምላኽ ህላዌ አብ ሞንጎና ተራእዩ። እቲ ካብ ማርያም ዝወሰዶ ሥጋ ተጸሩ ናብ ቤተ ዘካርያስ ምስ አተወ ንኤልሳቤጥን ዮሓንስን ሓጎስ ፈጢርሎም ከምዝንበዩ ኸአ ገርዎም።

ማርያም ወዲ አምላኽ ካብአ ባሕርይ ሥጋ ሰብ ክወስድ ምስ አፈቀደት አብቲ ዝበለቶ ጸሎት ከምንርእዮ ናይ አምላኽ ናይ ድሕነት ሥርሓት አብቲ ምስጢረ ሥጋዌ ተራእዩ። እቲ ኹሉ ንሳ ዝሃበቶ ጸሎተ ምስጋና ብዛዕባ ትንሣኤን መንፈሳዊ ለውጥን እዩ። ምሕረት አምላኽ አብ ርትዒ ተመስሪቱ ብሓቂ ዝትግበር እዩ። ኢየሱስ ናይ እቱ መደብ አምላኽ ግዙፍ መግለጺ(ሥጋዌ) እዩ። ንሱ ነቲ ካብ ዘመናት ብአብርሃምን ንውሉድ ወለዶ ድሕሪኡ ዝመጹን ዝተተስፈውዎ ተስፋ አብኡ ዝተፈጸመ እዩ።

ኩሉ ናይ ማርያም ነገር አብ ምስጢረ ክርስቶስ እዩ ዝምስረት። ንማርያም ክንፈልጥ ንክርስቶስ ክንፈልጥ ግቡእ እዩ። ሎሚ ናይ ማርያም ወላዲት ምዃንን ሥግአን ኢና እንዝክር ዘሎና። ንሳ ነቲ አምላኽ አብአ ዘሕደሮ ተስፋ ስለ ዝፈጸመት ብሥግአን ነፍሳን ንሰማይ ፈለሰት። ንሳ ነቲ ክትርድእኦ ዘይከአለት ወላዲት ክትከውን ሕራይ ኢላ። ካብአን አብአን ልቢ ኢየሱስ ተፈጢሩ። ናይ ኢየሱስን ማርያምን ልቢ ዘይፈላለ እዩ ስለዚ ፍልሰታ ማርያም ናታ አብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንዘለዓለም ምስ ወዳ እትሕልፎ እዩ ዝነግረና። አብቲ ንሳ ዘላቶ ንሕና እውን ክንከይድ ኢና።

ራእይ ዮሓንስ አምላኽ ከመይ ገሩ ንደቅሰብ ከም ዘድሓነ ይነግረና ሓንቲ ነፍሰጾር ሰበይቲ አብ ልዕሊ ወርሒ ተቐሚጣ ወላእኳ ብሰይጣን ንሳን ወዳን እንተፈርሐት አብትሕቲ ጽላል አምላኽ ተዓቚባ ንደቂ ሰብ አድሒና። ንሳ መጋበሪ ድሕነት ኮይና ብአአ መንግስቲ አምላኽ ንህዝበ እግዚአብሔር ተገሊጹ በዚ ምኽንያት ማርያም አብ መንጉኦም ፍሉይ ቦታ ተዋሂብዋ።

ሎሚ ናይ ሰውነትና ቅድስና አብዚ ዓለም ነብዕል አሎና። ቅድስቲ ካተሪና ብዓልቲ ሰና “ ኩሉ መንገዲ ንመንግስተ ሰማይ መንግስተ ሰማይ እዩ “ ትብል ነራ። ብዙሕ ግዜ ንሕና አብ ድሕሪ ሞት ዘሎ ተሓጓስ እምበር አብዚ ምድራዊ ሕይወት ዝጅምር መንግስተ ሰማይ አይንሓስብን ኢና። ማርያም ምልእተ ጸጋ ስለ ዝነበረት ንኹሉ ፍጥረት ብአአ ተባሪኹ ሰውነታ አምላኽ ስለ ዝጾረ ሥጋ ሰብ ማሕደር አምላኽ ኮይኑ ስለዚ ተባሪኹ። ጉዕዞ ሰማይ አብዚ ዓለም እዩ ዝጅምር። ሥግአ አደ አምላኽ ክኸውን ስለ ዝበቕዔ አመስጊና ንአና ወኪላ አመስጊና። ዝተባረኸ ሥግአ አይበስበሰን ከይተበላሸወ ናብ ወዳ ተወሲዱ።

ሰውነትና ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ በረኸት ጸጋ ክነስተማቕር ዕድል ይህበና። እዚ ቅዱስ ሰውነት መሰሉን ግቡእን ከይስእን ናይ ነፍስወከፍና ሓልዮትን ተሳትፎን የድልዮ። ፍልሰታ ማርያም ናይ ማርያም ጥራሕ አይኮነነ። ናይ ነፍሲወከፍና ሰውነት ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ክንዝክር ይሕግዘና። ማርያም ሰውነታ አብ አገልግሎት አምላኽ ክውዕል ሕራይ ኢላ አውዒላቶ። ንአምላኽ አብ ምድሪ ስለ ዝሓጎሰቶ አብ ሰማይ ሎሚ ብሥግአን ነፍሳን ከቢራ አላ። ደቂ ማርያም ኮና ሕይወት አደና ክንለብስ የድልየና። ሰባት ስለ ዝኾና ጻዕሪ ከድልየና እዩ።

ፍልሰታ ማርያም በዞም ዝስዕቡ አገባባት ነብዕሎ፡


ንማርያም ብስግአን ነፍሳን ንሰማይ ዝተቐበለ አምላኽ በዚ ብሩኽ ብዓላ ጸሎትና ተቐቢሉ ደቂ ማርያም ዘብል ጸጋ ይዓድለና፥ ፍቕርን ሰላምን አብ ዓድናን ዓለምናን የውርድ ንኹልኹም ርሑስ ብዓለ ፍልስታ እብል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ












All the contents on this site are copyrighted ©.