2009-08-22 15:02:00

ኣፍሪቓ


ኣብ ኣፍሪቓ ብዝሒ ቁጽሪ ካብ ዓሰርተ ሸሞትነ ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ መንእሰያት 200 ሚሊዮን ከምዝኾነ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዋሽንግተን ዝኾነ ብዝሒ ሕዝቢ ዝከታተል ማኅበር RealAudioMP3 ኣብ ዘውጽኦ ብዝሒ ሚዛን ሕዝቢ ጸብጻብ ተመልኪቱ ኣሎ።

ናይዚ ቤት ጽሕፈት ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ከምዝሕብሮ፣ ቁጽሪ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ብገምጋብ ኣብ ዓመት ብ24 ሚሊዮን ክብ ከምዝብልን ክሳብ 2050 ዓ.ም.ፈ. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ዕጽፊ ከምዝኸውንን ኣፍሪካ ብቝጽሪ ብዝሒ ዝውለዱ ቆልዑ ቀዳመይቲ ክፍሊ ዓለም ምዃና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ናይ ኣፍሪቃ ከባቢ ደቡባዊ ሰሃራ ብቁጽሪ ብዝሒ መንሰይ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ ኣብ መላእ ኣፍሪቓ ቅጽሪ ብዝሒ ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ መንሰያት ክሳብ 2050 ዓ.ም.ፈ. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ናብ 348 ሚሊዮን ክበጽሕ ምዃኑ እቲ ናይ ቁጽሪ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ዝከታተል ማኅበር ከምዘመልከተ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.