2009-08-22 15:03:52

ሶማሊያ


ኣብ ሶማሊያ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ናይ መሰጋገሪ መንግሥቲ ሶማልያን እስላማዊ ዓመጽያን ኃይልን ከባቢታት ንምቁጽጻር ከቢድ ውግእ የካይዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ናብ ትማሊ ዘውግሕ ለይቲ RealAudioMP3 ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ልዕሊ 40 ሰባት ከምእተቐትሉን በማኢት ዝቝጸሩ ናይ መቑሰልቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም ተገሊጹ።

ኣብ ሶማሊያን ጁቡቲን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብጹዕ ኣቡነ ጆርጆ በርቲኒ ኣብ ሶማሊያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላውን እቲ ንዓመታት ተፈጢሩ ዘሎ ቀጥዒ ኣልቦነት ማሕበራውን ፖሊቲካውን ኤኮኖሚያውን ጉዳይ ንምግታእን ሕዝቢ ካብቲ በቐጻሊ ዘጋጥሞ ዘሎ ሽግር ንኽላቐቕ ንጉዳይ ሶማልያ ዓቢይ ትኵረት ክግበረሉ ይግባእ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ መንግሥታት ዓለም ናይ ሃገራት ሕብረትን ኣብ ናይ ሶማልያ ጉዳይ ከተኵራን ነቲ ናይ ሶማሊያ መሰጋገሪ መንግሥቲ ኣብ ምድጋፍ ይተግሃ ከምዘለዋን እዚ ድማ ንናይ ሶማሊያ ሰላም መሠረት ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.