2009-08-22 15:00:23

ሞት ዘይ-ሕጋውያን ስደተይናታት


ቅድሚ ትማሊ ናብ ኢጣልያ ላምፔዱሳ ብናይ ኢጣሊያ ናይ መኽበርቲ ጸጥታ ወሰናስን ዶብ ባሕሪ ተሓጊዛ ዝኣተወት 5 ዘይ ሕጋውያን ዝደተይናታት ዘሳፈረት ንእሽቶ መርከብ 80 ዘይሕጋውያን ስደተይናታት RealAudioMP3 ኣሳፊራ ከምዝነበረት እዞም ሓሙሽተ ናይ ኤርትራ ዜጋታት ኢና ዝበሉ ገሊጾም 75 ድማ ኣብዚ ጎዕዞ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶም ሓቢሮም ኣለዉ።

ትማሊ ናይ ማልታ ኃይሊ ባሕሪ ናይ ሸውዓተ ሰባት ሬሳ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ሊቢያ ከምዝረኣዩ ክሕብር እንከሎ፣ ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ድርገት ወሃቢት ቃል ላውራ ቦልድሪኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ እዞም ካብ ሞት ሓደጋ ተሪፎም ላምፔዱዛ ዝኣተዉ 5 ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዝሃብዎ ቃል ብሓቂ ዘሰብድ ኢዩ። እቶም ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘሳፈረት መርከብ ካብ ባሕሪ ሊቢያ ምስ ነቐለት ኣብ ጎዕዞ እንከላ እቲ መራሒኣ ተመኩሮ ዘይነበረ ብምንባሩ እታ መርከብ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ኮለል ክትብልን ዝነበራ ነዳዲ ተጸንቂቑን እቶም ስደተይናታት ዝነበሮም ማይን መግብ እውን ወዲኦምን ዘጋጠሞም ናይ ሞት ሓደጋ ዘስካሕክሕ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ሲቺሊያ ናይ ኣግሪጀንቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮ፣ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ናይ መቓብር ሥፍራ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ፣ ሕይወት ክንደይ ዚጋታት ድኻታት ኣብቲ ባሕሪ ተዋሒጡን ሓታትን ቀባርን ዘይብሎም ኮይኖም ዝተረፉ ብዙሓ ኢዮም። እዞም ስደተይናታት ካብ ሞት ከምልጡ ሞት ከጓንፎም ምርኣዩ ዘሕዝን ኢዩ፣ ካብቲ ዘለዎም ማሕበራውን ሰብኣውን ፖለቲካዊ ጸገም ንኽናገፉ ሞት እውን ከይፈርሑ ዝገብርዎ ናይ ተስፋ ጉዕዞ መሪርን ናብ ሞት እውን ዘብጽሕ ኮይኑ ኣሎ፣ ሕይወት ሰብ ብሕልፊ ድማ ሕይወት መንእሰያት ድኻታት ሃገራት ከምዚ ኢሉ ክጠፍእ፣ ከም ክርስትያንን ኣማንን ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሰብ መጠን እውን ሕሊናኻ ዝትንክፍን ነተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ኃገራት እውን ዓቢይ ሕቶ ኢዩ። ንሓደ ድኻ ኣይትምጽኣኒ ኣይተለምን ክትብሎ ዘይከኣል ኢዩ። ከምቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዘመልክቶ ወዲ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ መሰል ኣለዎ፣ ዝኾነ ይዅን ሰብ ካብ ዘጋንፎ ሽግር ንኽሃድም ቢሉ ዝገብሮ ውሳኔ ናብ ሞት ዘብጽሕ እውን እንተኾነ ተስፋ ገይሩ ኢዩ ዝጓዓዝ፣ ዝጠዓሞን ዝጸገበን ከምዚ ዝኣመሰል መሪር ናብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ሃደገይና ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ክብገስ ዘይእመን ኢዩ። እዞም ስደተይናታት ነዚ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ክጻወሩን ናይ ሞት ሓደጋ እውን ከጋጥሞምን ከምዝኽእል ዝፈልጡ እውን እንተኾነ እቲ መሪርን ሕሱምን ድኽነቶምን ፖለቲካውን ማህበራውን ሰብኣውን ሽግራቶምን ኣዚዩ ከቢድ ብምዃኑ ዕድለይ ቢሎም ዝፍጽምዎ ኢዩ፣ ስለዚህ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ማህበራዊ ክስተት ዓይንኻን እዝንኻን ክትዓጽው ዘይከኣል ኢዩ ነቶም ኢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.