2009-08-22 14:59:03

ህዝባዊ መረጻ ኣብ ኣፍጋኒስታን


ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ከምእተዛዛመ ተሓቢሩ፣ ናይዚ ዝተኻየደ ምርጫ ውጽኢት ብናይ ኣፍጋኒስታን ናይ መረጻ ተቖጻጻሪ ድርገት ኣብ ቀረባ እዋን ክቐርብ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ RealAudioMP3 51% ድምጺ ዝረኸበ ተመራጺ ዝዕወት ምዃኑ ናይ ኣፍጋንሲታን ሕገ መንግሥቲ ከምዝገልጾን፣ ድሮ እቶም ሕጹያት ተመረጽቲ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ምርጫ መገልጺ ይህቡ ከምዘለዎ ካብ ካቡል ናይ ቫቲካን ረድዮ ልኡኽ ጋዘጠይና ባርባራ ስኪያቩሊ ይሕብራ።

ሓሚድ ካርዛይ 51% ድምጺ ከምዝረኽቡን ኣብ ቀዳማይ ናይ ምርጫ ዙር ከምዝስዕሩን ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ሕዝባዊ መረጻ ውሑድ ቁጽሪ መረጽቲ ዝተሳተፈሉ ከምዝነበረ ድማ ሓቢረን፣ ነቲ ዴሞክራሲያዊ ህዝባዊ መረጻ ኣፍጋኒስታን ንምትዕንቓፍ ኣሸበርቲ ጣሊባን ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ብምፍጻንም 26 ሰባን ንሞት ዝዳረጉ እውን እንተኾነ ከይዲ ናይቲ ምርጫ ብብዙሓት ሃገራት ከምዝተነኣደ ስኪያቩሊ ሓቢረን።

ኣብ ካቡል ናይ ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ልኡኽ ጋዘጠይና ማውሪዚዮ ሳልቪ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣሸበርቲ ጣሊባን እቲ ምርጫ ንምትዕናቃፍ ዘይፈተንዎ ዓይነት ግብረ ሸበራ የለን፣ እዚ ድማ እዚ ኃይሊ ኣሸበርቲ’ዚ ዕሽሽ ክበሃል ከምዘይብሉን ዝሕብር ኢዩ። ስለዚ እቲ በዚ ምርጫ ስዒሩ ዝቐውም መንግሥቲ ቀዳማይ ዕላማዉ ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ሰላም ንምርግጋጽ ክኸውን ክምዘለዎ ድማ ሓቢሮም፣ እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ተቐባልነት ዘለዎ ምልክታ ዴሞክራሲ ዝተራአየሉ እውን ኢዩ ኢሎም።

ርእሰ ብሔር ሓሚድ ካርዛይ፣ ምስ ምዕራባውያን ሓገራት ጽቡቕ ርክብ ዘለዎም ኽኾኑ ከለዉ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሓገራት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝኽተለኦ ፖለቲካ ኣመልኪቶም ሓናጺ ነቐፌታ ከቕርቡን ብኻልእ መዳይ እውን ብርቱዕ ጸረ ጣሊባን ክኾኑ እንከለዉ፣ እዚ ኃይሊ ዓማጽያን ናይ ሽበራ ተግባራቱ ሓዲጉ ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ ንኽቐርቡ ክዕድሙ ይርአይ፣ እዚ ድማ ካርዛይ ዘለዎም ናይ ፖለቲካ ብስለት ዝምስክር ኢዩ ኢሎም። እቲ ብወትሃደራዊ ኃይሊ ተሰንዩ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዴሞክራሲ ንምግዕዝ ዝኣመተ ናይ ዋሽንገተን ነበር መግንሥቲ ዕላማን ትግባሬኡን ዘስዓቦ ዓቢይ ማኅበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ገና ኣብታ ሃገር ይርኤ ከምዘሎን ሓቢሮም፣ እዚ ዓይነት ሕንጸት ዴሞክራሲ ድማ ከምዘይሰርሕን ፖለቲካውን ማኅበራውን ምዕባለ እውን ከምዝተዓናቕፍ ተራእዩ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ኣብ ሕቡራት መንሥታት ኣሜሪካ ዘሎ ናይ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ መንግሥቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላምን ዴሞክራስን ኤኮኖሚ ናይዛ ሃገር ንምህናጽ ምስምዕራባውያን ሃገራት ምዝታይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብዚ ከባቢ ዝርከባ ኃያላት ሓገራት ኢራንን ሱዕዲ ዓረብን ፓኪስታንን ህንድን ዘዋስእ መደብ ክኽተል ኣለዎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.