2009-08-20 14:54:12

ህዝባዊ መረጻ ኣብ ኣፍጋኒስታን


እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ሕዝባዊ መረጻ ርእሰ ብሔር ብናይ ጣሊባን ዓመጽን መጥቅዕትታትን ዝተሰነየ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ከምዚ ከምዝኸውን እውን እቲ ጉጀለ ኣሸበርቲ ጣሊባን ቅድም ቢሉ RealAudioMP3 ሕዝቢ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሕዝባዊ መረጻ ንኸይሳተፍ ብዝተፈላለየ መገድን ዝመሓላልፎ ዝነበረ ናይ መፈራርሒ መግለጺ ኣፍሊጡ ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ ከተማታት ኣፍጋኒስታን ቤት መሸጣን ናይ መንግሥቲ ቤት ጽ/ፈታትን ካላኦት ናይ ብሕቲ ትካላት ከምእተዓጽዉ እውን ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ለኪምካ ናይ ምጥፋእ መጥቃዕቲ ከምእተፈጸመን ገና እውን ክቕጽል ምዃኑ ጉጅለ አሸበርቲ ጣሊባን ኣፍሊጡ። ኃይሊ ጸጥታን ወተሃደራት ኣፍጋኒስታንን ናይቲ ኢሳፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም እቲ ሕዝባዊ መረጻ ከይሰናኸልን ብሓባር ጸጥታን ደህንነትን ንምርግጋጽ ብብርቱዕ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ህዝባዊ መረጻ ዳግም ንምርጫ ዝቐረቡ ርእሰ ብሔር ሓሚድ ካርዛይ ክስዕሩ ኢዮም ዝብል ግምት እውን እንተሃለወ፣ ምናልባት ከምቲ ናይዛ ሃገር ሕገ መንግሥቲ ዝእዝዞ ኣብ ቀዳማይ ናይ ምርጫ ዙር ንምስዓር 51 ካብ ሚእቲ ድምጺ ምዕታር ዘድሊ ክኸውን እንከሎ፣ ርእሰ ብሄር ሓሚድ ካርዛይ ኣብ ቀዳማይ ዙር ክስዕሩ ግን ዘጠራጥር ምዃኑ ይንገር።

ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኣፍጋኒስታን ኣመልኪተን ናይቲ ፓንጄኣ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘይ መንግሥታዊ ናይ ልምዓትን ምትሕብባርን ማኅበር ግበረ ሠናይ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዘካይዶ ዘሎ መደብ ምዕባለ ዝመርሓ ሲሞና ላንዞኒ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ጣሊባን ነቲ ምርጫ ንምስንኻል መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕትቲ ይፍኑ ከምዘሎ ሓቢረን እዚ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ መጥቃዕትታት ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ፍርሒ ከምዘተኣታተወን ናይ መራጺ ሕዝቢ ተሳታፍነት ከዛብዕ ዝከኣል ኢዩ ኢለን። እዚ ድሕሪ ምውዳቕ መንግሥቲ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ መረጻ ከምቲ ናይ ፈለማ ህዝባዊ ተስፋ ዝተነበረሉ ኣይኮነን፣ ብዙሓት ድምጺ ካብ ምሃብ ነቲ ናይ መርጫ ካርዲ ምሻጥ ከምዝመረጹን፣ እቲ ድምጺ ናይ መውሃቢ ማእከል እውን ኣዚዩ ርሑቕ ብምዃኑ ምኽንያት እውን ተሳታፎ መራጺ ህዝቢ ትሑት ክገብሮ ዝካኣል ኢዩ ኢለን።

ኣብ ካቡል ናይ ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ልኡኽ ጋዜጠይና ማውሪዚዮ ሳልቪ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኣሸበርቲ ብቐረባ ዝፈልጦን ዕለታዊ ተመርኵሮኡ እውን እንተኾነ ብምኽንያት እዚ ህዝባዊ መረጻ ዝፍነው ዘሎ ናይ ጣሊባን መጥቃዕቲ ዝያዳ ሥግኣት የሕድረሉ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ህዝቢ እቲ ብዝኾነ ዓይነት መገዲ ናብ ኣፍጋኒስታን ዴሞክራሲ ንምግዕዝ ዝኣመተ ናይ ዋሽንገተን ነበር መግንሥቲ ቡሽ ዕላማን ትግባሬኡን ዘስዓቦ ዓቢይ ማኅበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ገና ኣብታ ሃገር ይስማዕ ከምዘሎን ብዙሕ ፖለቲካውን ማኅበራውን ምዕባለ ኣውን ኣየተኣኣታተአወን ኢሎም። ጣሊባውነት ንጽልኢ ምዕራባውያን ባህላዊ ግብረ መልሲ ኢዩ፣ ናይዚ ባህል ተግባሪ ሸበራ ቀንዲ መሣርሒ ኢዩ ቢሎም ዝኣምኑ ጸረ ሰላም ምዃኖም ሓቢሮም፣ ሕዝቢ ኣፍጋኒታን ናይ ምዕራባውያን ዴሞክራሲ ብዝድግፉን ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ዕቃበ ብዝኣመኑ ዝተገምዔ እውን እንተኾነ ኣብ ናይ ሃገሩ ጉዳይ ተዋሳኢ ንኽከውን ዝብገር ዘሎ ጻዕሪ ውጽኢት እናሃበ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.