2009-08-18 16:16:48

ጳጳሳት አስያ ንተስፋን ንሓዋርያዊ ተልእኮን ጻውዒት ኣቅሪቦም


9ይ ምዱብ ጠቅላሊ ጉባኤ ጳጳሳት አስያ ኣብ ዝተዛዘመሉ ዕለት ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፣ ቃለ እግዚኣብሔር ንምስማዕ ዚግበር ዕድመ ንእምነትን ተስፋን ሓዋርያዊ ተልእኮን ዚግበር ጻውዒት ምዃኑ ጳጳሳት አስያ ገለጾም።

እዚ ብዕለት 10 ነሐሰ 2009 ዓምፈ ብወኪል ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ልሂቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ አሪንዘ ኣብ ማኒላ ርእሰ ከተማ ፍሊፒንስ ተኸፊቱ ክሳብ ዕለት 16 ነሐሰ 2009 ዓምፈ ዝተኻየደ 9ይ ምዱብ ጠቅላሊ ጉባኤ ጳጳሳት አስያ ኣቶኵሮኡ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዝገበረ እዩ ዝነበረ።

ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ኤስያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኮታባቶ ውጽኢት ናይዚ ጉባኤ ብዝምልከት ንረድዮ ቫቲካን ነዚ ዚስዕብ መብርሂ ሂቦም፣ ‘ከም መደምደምታ ናይዚ ጉብኤ እዚ ዝወጸ ጽሑፍ ዝገልጾ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን እዩ፣ ቅዱስ ቍርባን ሕይወት ከምዝኾነ፣ ሕይወት ብሕይወቱ ከአ ሕይወት ኢየሱስ ኢዩ፣ ሓንሳብ ሓንሳብ ኅብስተ ሕይወት ክንሓስብ ከሎና ከም ምልክት ክርደአና ይከአል ይኸውን ግን አይኮነን ቅዱስ ቍርባን ሕይወት ባዕሉ እዩ ኢየሱስ ብአካል ኢዩ፣ ተማ ናይቲ ጉባኤ ንቅዱስ ቍርባን ኣብ አስያ ብኸመይ ክንነብሮ ንኽእል ዝብል ነበረ፣ እቲ ጉባኤ ነዚ መሠረታዊ ሕቶ እዚ ክልተ አገደስቲ ለበዋታት ብምምሕጻን መሊሽዎ፣ መጀመርያ ኣብ ውሽጢ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ብምምላስ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ኣብ ግምት ብምእታው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንቅዱስ ቍርባን ብኸመይ ትርድኦ፣ እንታይ ምስ እንገብር እዩ ብዝበለጸ ነዚ ምሥጢር እዚ ክንግንዘቦ እንኽእል? ብኻልእ አዘራርባ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ንቅዱስ ቍርባን ብከመይ ክንቅበሎን ክንነብሮን ንኽእል? ንዝብል ሕቶ ኣብ ውሽጡ ዚሓዘለ እዩ ነይሩ፣ ካልአይ ለበዋ ድማ ኣብ አፍአዊ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ዘተኮረ እዩ ነይሩ፣ ብሕልፊ ሕይወት ማኅበረ ሰብ ኤስያ አብ ግምት ዘእተወ ነይሩ፣ ብሕልፊ ጐሊሖም ዝረአዩ ጸገማት ሰላም ዓመጽ አብ ተፈጥሮን አከባብን ዝፍጸም ብከላ ፍቅሪ ገንዘብ ዝማእከሉ ንአይ ይጥዓመኒ ዝመለለዪኡ ናይ ጊዜና ምዕባሌ፣ ዓውለማነት ወይ ከ ግሎባሊዘይሽን ዘስዕቦ ጸገም፣ እዚ ኩሉ ከምቲ ዚግባእዶ ነቲ ድኻ ወገንና ይሕግዝ አሎ? ንዚብል ሕቶታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

በዓል ሠናይ ዝኽሪ አገልጋሊ እግዚአብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ ንዘሎኩም ውርሻ ምስ ካልኦት ንምስታፍ ሚስዮናውያን ኩኑ ቢሎምና ነሮም፣ እዚ ማለቶም ከአ ንታሪኽ ክርስቶስ ምስ ካልኦት ንምስታፍ ታሪኽ ድሕነት ቤተ ክርስትያን ኤስያ ንካልኦት ብምዝንታው ንኩላዊት ቤተ ክርስትያን ክነሳትፎ እንኽእል ሃብታም ውርሻ ከምዘሎና አተንቢሆምልና ነሮም። እዚ ሕይወት ቍምስና ኣብዚ ከባቢ ብሓቂ ሕያው እዩ፣ ምሉእ ተሳታፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍ አሎ፣ ሕይወት ቤተ ሰብን ማኅበረሰብን ሕውነትን ሥኒትን ምድግጋፍን ዝመልኦ ክፉት ናይ ሕይወት እዩ፣ ኣብ ጊዜ ጓሂ ይኹን ኣብ ጊዜ ሓጎስ ንኹሉ ብሓንሳብ ንሳተፍ፣ ወላ ብሰንኪ ድኽነት እንተተሰደድና እውን እዚ መንፈስ እዚ ወትሩ ሒዝናዮ ስለእንጐዓዝ ንረዳዳእ ብሓደ ንጐዓዝ፣ እዚ ውህደት እዚ ብቅዱስ ቍርባን ይጥንክርን ሕይወት ይረክብን ክብል ቅዱስ ቍርባን ምንጪ ውህደትን ሕይወትን ከምዝኾነ ኩሉ ክቅበሎን ክነብሮን ጉባኤ ጳጳሳት ኤስያ ንዝተላበውዎን ሓደራ ንዝበልዎን ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.