2009-08-18 14:17:32

ኣፍጋኒስታን


ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ተልእኾ ሥልጣኖም ዘብቕዔን ዳግም ንምርጫ ዝቐርቡ ርእሰ ብሔር ሓሚድ ካርዛይ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዕለት 20 ነሓሰ 2009 ዓ.ም.ፈ. ሕዝባዊ መረጻ ክፍጸም ምዃኑ ሓቢሮምን RealAudioMP3 ምንቅስቓስ ጣሊባን ኣብቲ ምርጫ ብሰላማዊ መገዲ ክሳተፉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ እውን ተገሊጹ።

ሎሚ ኣፍጋኒስታን ርእሰ ብሔር ንምምራጽ ኣብ እተቐራረበሉ ዘላ እዋን፣ ዓመጽን ግብረ ሽበራን ይረአይ ከምዘሎን፣ ጣሊባን ኣብ ልዕሊ መራጺ ሕዝቢ ሓደጋ ክፍነዉ ምዃኑን ሕዝቢ ንኽመርጽ ከይወጽእ ዘተሓሳስብ ናይ መፈራርሒ መገልጺ ይፍኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ድምጺ ንምሓብ ዝወጽእ ኣፍጋናዊ ጸረ ኣፍጋኒስታን ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ ኃይሊ ኣሸበርቲ ጣሊባን ነቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫ ከየሰናኽል ናይ ኣፍጋኒስታን ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘለሎን ለኪምካ ናይ ምፍጥፋእ ሓደጋ ከይፍጸም ኣብ መጠነ ሰፊሕ ሓለዋ ጸጥታ ተዋፊሩ ከምዘሎ ይንገር።

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ስነ ዓለም ለኻዊ ጉዳይ ዘጽንዕ ማእከል ሊቀ መንበር ኣንድረያ ማርጀለቲ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብቲ ከባቢ ጣሊባን ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ዕላማ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዘተኾረ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ሸቶ ዘለዎን ኣብ ፖሊቲካዊ ዘተ ተዋሳአይ ንኽኸውን ተቐባልነት ንኽህልዎ ዝጥቀመሉ ሜላ ኢዩ ኢሎም፣ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላም ንምርግጋጽን ኣሸበርቲ ንምጥፋእ ዝፍምጸም ዘሎ ዓለም ለኸ ወፈራ ኣብ ወትሃደራዊ ስርሒት ጥራሕ ዘተኮረ ብምኳኑ፣ እዚ ድማ ነቲ ናይ ልምዓት መዳይ ዕሽሽ ዘበለ ስለ ዝኾነ ብሕዝቢ ኣፍጋኒታን ተቐባልነቱ ዝሑል እናኾነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ወተሃደራዊ ወፈራ ምስ ናይ መደብ ልምዓት መዕረ ማዕረ ክኸይድ ይግባእ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.