2009-08-18 14:16:27

ኢንጉሴዚያ


ኣብ ደቡባዊት ፈደራላዊት ሩሲያ ኣብ እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ኢንጉሴዚያ ከተማ ናዝራን ብዝተፈጸመ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ 20 ሰባት ከምዝሞቱን ካብ 70 ንላዕሊ ዝግመቱ ድማ ናይ መቝሰልቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም RealAudioMP3 ናይ ኢንጉሴዚያ ጊዚያዊ ራእሰ ብሔር ጋይሳኖቭ ገሊጾም።

ናይዛ ሃገር ናይ ገበን መርማሪ ቤት ፍርዲ እታ ቦምቢ ዝተጸመዳ ማኪና ኣብ ከባቢ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈተ ሓይሊ ጸጥታ ክምዝተተኮሰት ክንገር እንከሎ፣ እቲ ሓደጋ ንኸይፍጸም ንምክልኻሉ ብዙሕ ዝተጻዕረ እኳ እንተነበረ ኣቲ ለኪምካ ናይ ፍጥፋእ መጥቃዕቲ ተፈጺሙን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ገዛእ ርእሶም ንምድሓን እውን ዕድል ከምዘይረኸቡን ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዝነበረ ሕንጻ በቲ ሓደጋ መጥቃዕቲ ሽበራ ከምዝዓነወን ብዙሓት ብፍርስራስ ተቐቢሮም ከምዝተረፉ ይንገር። ኃይሊ መጥፋእቲ ሓደጋ ሓዊ እቲ ኣብቲ ሰፈር ሓይሊ ጸጥታ ዝነበረ ኣጽዋር ውግእ ንባርዕ ሓደጋ ክይቃላዕን ነቲ ዝተፈጥረ ሓደጋ ኣዚዩ ከይበርትዖን ከምዝተዋፈሩን ተሓቢሩ።

ናይዚ ከባቢ ናይ ፖለቲካ ሊቃውንቲ እቲ ዝተፈጸመ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ኣብዚ ከባቢ ናይ ሓድ ሕድ ውግእ ክጅመር ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ ዝመስል እንክብሉ ክገልጹ እንከለዉ፣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ናይዛ ሃገር ርእሰ ብሔር ናይ ቅትለት ፈተና ከምእተፈጸመን ዝዝከር እውን ኢዩ። ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ትሪየስተ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ ኣቀማምጣ መሬት ፖለቲካ መምህር ኣድሪያኖ ፓኒቻ እዚ ከባቢ ፈደራላዊት ሩሲያ፣ ብናይ ውሽጢ ኣሸበርትን ብናይ ጸዓት ማዕድንን ከማኡ ድማ ኣብ መንጎ ሩሲያን ናይ ሰሜን ሃገራት ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን ዘሎ ምስሕሓብ ዝረኣየሉን ናይ ልኡላውነት ድላይ ኣዚዩ ዝስመዓሉን ከባቢ ኢዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ኣብዚ ከባቢ’ዚ ምርግጋእ ንኸይህሉ ከምዝድርኽ ኣረዲኦም ኣብዚ ከባቢ ምስ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ዝተኣሳሰረ ከይዲ ፖለቲካ ኢዩ ዝርአ፣ ነቲ ናይዚ ከባቢ ሽግር ንምፍታሕ ኣብ ረብሓ ዝተመርኮሰ ሩሲያ እትኽተሎ ፖለቲካዊ ከይዲ ናይ ቀደም ሜላ ኢዩ፣ ሎሚ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ ኣሸበርቲ ከምዘሎ ክሰሓት ከምዘይብሉን ንምውጋዱ ድማ ብመንግሥታዊ ደረጃ ስምምዕ ክግበር አለዎ። እንተዘይኮነ ግን ናይቶም ኣሸበርቲ ድላይ ነቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ገቢራዊ ንኸይከውን ዘተዓናቕፍ ከምዝኸውን ርጉጽ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ዓይነት ሽግር ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብዝቖመ ናይ ዓለም ሓቆፍ ድርገት መሠረት መፍትሒ ክድለየሉ ይግባእ ኢሎም፣ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጉዳይ እውን ኣብ ግምት ዝእቱ ከይዲ መሥርሕ ምርግጋእ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.