2009-08-18 14:20:06

ናይጀሪያ


ኣብ ናይጀሪያ ጉዳይ ኣሸበርትን ገበን ሽበራ ዝከታተል ፍሉይ ኃይሊ ጸጥታ ብኣባልነት ኣሸበርቲ ምንቅስቓስ ዳሩም ምስልምና ዝጠርጠሮም ኣብ ልዕሊ 4ሺሕ ሰባት ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ናይ ናይጀሪያ ናይ ደሕንነትን ጸጥታ RealAudioMP3 ዋና አዛዚ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ነቶም ኣባላት ኣሸርቲ ምስልምና ዳሩም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ኣብ ዝተገብረ ስርሒት ሓደ ሽሕ ኣባላት ጸጥታ ከምዝተዋፈሩ ከምዝሓበሩ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ወርሒ ቦኮ ሓራም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ሻሪዓ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ መላእ ናይጀሪያ ገቢራዊ ክኸውንን ናይ ምዕራባውያን ኣነባብራን ትምህርትን ሓጢኣት ኢዩ ቢሉ ንዝኣምንሉ ኣመለኻኽታ ኣብ መላእ ናይጀሪያ ክስፋሕፋሕ ዓሚቱ ዘንቀሎ መጥቃዕቲ ናይ ናይጀሪያ ሓይሊ ምክልኻል ከምዘፍሸሎ ዝዝከር ኢዩ።

በቲ ባኮ ሓራም ዘንቀሎ ናይ ሕድ ሕድ ግጭት ምኽንያት 700 ሰባት ከምዝሞቱ እንክዝከር፣ ኣብ መንጎ ኣኽረርት ዳራም ምስልምናን እቲ ቦኮ ሓራምን ምንም ዓይነት ርክብ ከምዘየለ ናይ ናይጀሪያ ናይ ኃይሊ ጸጥታ ወሃቢ ቃል ከምዝሓበሩ ኣብ ናይጀሪያ ናይ ቢቢሲ ራዲዮ ልኡኽ ጋዘጠይና ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.