2009-08-18 16:15:16

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሽመት ሂቦም


ምክትል ጸሓፊ ክፍሊ ርክብ ምስ መንግሥታት ናይ ቅድስት መንበር ንዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ፔትሮ ፓሮሊን ናይ ኣኳፐንደንተ ስማዊ ሊቀ ጳጳስ ብምሻም ናይ ቨነዝወላ ሓዋርያዊ እንደራሴ ንክኾኑ ማለት ኑንጽዮ ኣፖስቶሊኮ ክኾኑ ከምዝሾምዎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ንሶም ዘካይድዎ ዝነበሩ ቤት ጽሕፈት ንብፁዕ ኣቡነ ፔትሮ ፓሮሊን ብምትካእ ክሳብ ሕጂ ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት ውክልና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወይ ከአ ኑንጽያቱራ ዝነበሩ ሞንሲኞር ባለስትረሮ ከም ዝተክእዎም እውን ምስ’ዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

ብፁዕ ኣቡነ ፓሮሊን ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣውራጃ ቪቸንሳ እስክያቮን ኣብ ትበሃል ከተማ ዝተወልዱ 54 ዓመት ዝዕድሚኦም እንክኾነ ብ27 ሚያዝያ 1980 ዓምፈ መዓርገ ክህነት ዝተቀበሉ እዮም። ብሕገ ቆኖና ሊቅነቶም ምስ ኣመስከሩ ብ1986 ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ኣገልግሎት ናይ ቅድስቲ መንበር ተጸምበሩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይጀርያን ኣብ መክሲኮን ኣብ ቤት ጽሕፈታት ጳጳሳዊ ወኪላት ብንጥፈት ምስ ኣገልገሉ፣ ብ2002 ዓም ናይ’ዚ ክሳብ ሕጂ ከገልግልዎ ዝጸንሑ ክፍሊ ርክብ ምስ መንግሥታት ናይ ቅድስት መንበር ምክትል ጸሓፊ ኮኖም ተሾሙ። ብፁዕነቶም ኣብ ልዕሊ ቋንቋኦም ቋንቋ ፈረንሳን እንግሊዝን እስፓንሽን ብጽቡቅ ከምዝመልኩ እውን ተመልኪቱ።

ሞንሲኞር ባለስትረሮ እውን ኢጣልያዊ ኮይኑ ኣብ ከተማ ጀኖቫ ቅድሚ 42 ዓመት ዝተወልዱ እዮም። ሕጊ ቆኖና ድሕሪ ምጽናዕ ኣብ ኮለጅዮ ካፕራኒካ ንሰበኻ ሮማ ምስ አጽንዑ ብዕለት 18 መስከረም 1993 ዓምፈ መዓርገ ክህነት ተቀበሉ። ንባበ መለኮት አጽኒዕም ብሕገ ቆነና ናይ ዶክተረይት መዓርግ አምጽኡ። ኣብ ቍምስና ቅድስት ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን ናይ ቶሪኖ ኣብ ሮማ አገልጊሎም ብድሕሪኡ ኣብ ጳጳሳዊ ኣካደሚያ ኤክለስያቲካ ድሕሪ ምጽናዕ ብ1996 አብ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ናይ ቅድስት መንበር ተጸንቢሮም። ካብ 1996 ክሳብ 1998 ኣብ ኮርያን ሞንጎልያ ካብ 1998 ክሳብ 2001 ኣብ ሆላንድ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ወኪል አገልጊሎም። ካብ 2001 ኣብ ክፍሊ ርክብ ምስ መንግሥታት ናይ ቅድስት መንበር አገልጊሎም። ሞንሲኞር ባለስትረሮ ኣብ ልዕሊ ቋንቋኦም ቋንቋ ፈረንሳን እንግሊዝን እስፓንሽን ጀርመንን ዳኒሽን ብጽቡቅ ከምዝመልኩ እውን ተመልኪቱ።

ብዘይካዚ ቅዱስ ኣቦና ንአባ ጁሰፐ ፊሊፒ ዚበሃሉ ሓለቃ ናይ ማኅበር ካህናት ኮምቦኒ ኣብ ኡጋንዳ ጳጳስ ናይ ሰበኻ ኮቲዶ ኣብ ኡጋንዳ ሸይሞም። እዚኦም እውን ወዲ 64 ኢጣልያዊ ካብ ሰበኻ ትረንቶ እዮም፣ ብ26 ሰነ 1978 መዓርገ ክህነት ተቀቢሎም።

ሰበኻ ኮቲዶ ኣብ ትሕቲ ርእሰ ሰበኻ ቶሮሮ ኮይና 13,555 ትርቢዒት ኪሎ ሜትር ስፍሓት ሃልይዋ 470,500 ነበርቲ አለውዋ፣ ካብዚኦም 154,795 ካቶሊኽ እዮም። 10 ቍምስናታት 25 ካህናት 15 ናይ ሰበኻ 9 ካብ ማሕበራት 2 ፍረራት 10 ተመሃሮ ዘርአ ክህነት 26 ሰብ መብጽዓ ደቂ ማኅበርን አለውዋ። እዛ ሰበኻ እዚአ ካብ 27 ሰነ 2007 ናታ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ደኒስ ሎተ ኪዋኑካ ናብ ርእሰ ሰበኻ ቶሮሮ ምስ ተቀየሩ አትሒዛ ብዘይ ጳጳስ ጸኒሓ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ናይ ርእሰ ሰበኻ ዳአጉ ኣብ ኮርያ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ቾይ ዩንግ ሱ ብናይ ዕድመ ገደብ ምኽንያት ብፍቃዶም ካብ ሥልጣን ንኽእለዩ ዘቅረብዎ ሕቶ ከምዝተቀበልዎም ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.