2009-08-15 13:56:10

ፍልሰታ ለማርያም


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሎሚ በዓለ ፍልሰታ ከምዘብዓለት ተሓቢሩ። ብዚ በዓል ምኽንያት ትማሊ ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ፣ ከምቲ ልሙድ “ብዘይ ሰጋእ መጋእ ከም ማርያም እግዚኣብሔር RealAudioMP3 ነኣና ዘቕርቦ ጸዋዕታ ጽን ንበሎን ንስዓቦን” ብዝብል መንፈሳዊ ሓሳብ ተሰንዩ ሮማ ናብ ዝርከብ ናይ መለኮታዊ ፍቕሪ ኣደ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ብእግሪ ጉዕዞ ዝተሰነየ መንፈሳዊ ንግደት ከምእተፈጸመን እቲ መንፈሳዊ ናይ እግዝሪ ጎዕዞ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ወጋሕታ ኣብቲ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ንኽብሪ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ብዝቐረበ መስዋዕተ ቕዳሴ ከምእተፈጸመ ተሓቢሩ።

እቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእኻ ናብ እግዚኣብሔር ምብጻሕ ዝብል ውሽጣዊ ጉዕዞ ዘስምዕ ምዃኑ፣ ናይቲ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ኣመሓዳሪ ኣባ ፓስኳለ ሲላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም፣ ካብ ገዛእ ርእሰኻ ወጻኢ ናብ እግዚኣብሔር ዝግበር ጉዕዞ ኢዩ ዘስምዕ ኢሎም። ማርያም ኵሉ ክርድኦ ኣሎኒ ከይበለት ከም ዝበልካዮ ይዅነለይ ኣብ ዝብል ውሳኔ ፍጹም እምነት ገይራ ዝፈጸመቶ ናይ እምነት ጉዕዞ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ በዓል’ዚ ናይ ማርያም ኣብ ምድሓን ኣምላኽ ናጻ ሱታፌ ዝኽበረሉ፣ ናይ መድኃኒ ዓለም ኣደ ኮይና እምነታ ኣብ እግዚኣብሔር ኣሕዲራ ዝፈጸመቶ ናይ እምነት ጉዕዞ ኣብ ዓወትን ክብርን ክብ ቢላ ናብ ሰማይ ፈሊሳን ምስ ክርቶስ ምሉእን ዓሚዩቕን ኅብረት ዝገበረትሉን፣ ምእንቲ’ዚ ብበዓለ ፍልሰታ እግዚኣብሔር ብማርያም ገይሩ ዝዓደለና ጸጋ ምኽንያት ማሪያም ወገንና ስለ ዝኾነት ንእግዚኣብሔር ተመስገን እንብለሉንን ብሳልሳይ ደረጃ ማርያም ንዓና ናብ ክርስቶስ ዘቕረብትና ኣደ ምዃናን እዚ ድማ ቤተ ክርስትያናውነት ማለት ብምዃኑ ናይ ቤተ ክርስትያን በዓል እነብዕለሉ ዕለት ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.