2009-08-15 14:01:55

ዑደት ኣፍሪቃ ዋና ጻሓፊት ሂላርይ ክሊንተን


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዋና ጻሓፊት ሂላሪይ ክሊንተን ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድኦ ዘለዋ ዕላዊ ምብጻሕ ይቕጽል ኣሎ። ዋና ጻሓፊት ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ላይበሪያ RealAudioMP3 ምስ ናይዛ ሃገር ርእሰ ብሔር ኤለን ጆህንሶን ሲርሊፍ ተራኺበን ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ንላይበሪያ ብዝተፈላለዩ መዳያት ክትድግፋ ከምዝኾነት ገሊጸን ርእሰ ብሔር ኤለን ሲርሊፍ ላይበሪያ ድሕሪ 14 ዓመት ዘድመየ ካብቲ መሪር ናይ ሓድ ሕድ ውግእ ተላቒቓ ካብቲ እቲ ውግእ ዘስዓቦ ማኅበራውን ሰብኣውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ዕንወት ንኽትላቐቕ ዘበርክተኦ ዘለዋ ኣስተዋጽኦ ዋና ጻሓፊት ክሊንተን ከምዘድነቓ ተሓቢሩ። ዋና ጸሓፊት ክሊንተን ናይ ላይበሪያ ኡደተን ፈጺመን ናብ ኬፕቨርድ ከምዝኸዳ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.