Home Archivio
2009-08-15 14:01:55
ዑደት ኣፍሪቃ ዋና ጻሓፊት ሂላርይ ክሊንተን
ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዋና ጻሓፊት ሂላሪይ ክሊንተን ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድኦ ዘለዋ ዕላዊ ምብጻሕ ይቕጽል ኣሎ። ዋና ጻሓፊት ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ላይበሪያ
ምስ ናይዛ ሃገር ርእሰ ብሔር ኤለን ጆህንሶን ሲርሊፍ ተራኺበን ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ንላይበሪያ ብዝተፈላለዩ መዳያት ክትድግፋ ከምዝኾነት ገሊጸን ርእሰ ብሔር ኤለን ሲርሊፍ ላይበሪያ ድሕሪ 14 ዓመት ዘድመየ ካብቲ መሪር ናይ ሓድ ሕድ ውግእ ተላቒቓ ካብቲ እቲ ውግእ ዘስዓቦ ማኅበራውን ሰብኣውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ዕንወት ንኽትላቐቕ ዘበርክተኦ ዘለዋ ኣስተዋጽኦ ዋና ጻሓፊት ክሊንተን ከምዘድነቓ ተሓቢሩ። ዋና ጸሓፊት ክሊንተን ናይ ላይበሪያ ኡደተን ፈጺመን ናብ ኬፕቨርድ ከምዝኸዳ ተገሊጹ።
All the contents on this site are copyrighted ©.