2009-08-15 13:57:35

ታይዋን


ማራኮት ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ብርቱዕ ዝናም ዝተሓወሶ ህቦቡላ ኣብ ታይዋይ ኣብ ሕይወትን ንብረትን ዝስዕቦ ዘሎ ሞትን ዕንወትን እናገደደ ይኽየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ናይ ታይዋን ርእሰ ብሔር ዪንግ ጄኦው ኣ RealAudioMP3 ብታ ብማይን ጭቓን ዝተቐብረት ኣብ ደቢባዊ ዞቦ እትርከብ ቁሸት ህሲያኦሊነ 500 ሰባት ከምዝሞቱን ገሊጾም። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝሓለፈ መደብ ረቡዓዊ ኣስተምሮኦም፣ ነተን በዚ ሓደገይና ህቦቡላ ዝተጠቕዓ ሃገራት ዘኪሮም ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ቀረባን ኣብ ጸሎቶም እውን ህልዋት ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ዝዝከር ኢዩ።

ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ጨንፈር ኣብ ቻይና ነቲ ዝተጎድኤ ሕዝቢ ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎ እንክሕበር፣ ኣብ ታይፐይ ቆሞስ ኣባ ፓውሎ ኮንሶኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣቲ ህቦቡላ ነፋስ ክሳብ ክንድዚ መጉዳእቲ ከብጽሕ ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ናይ ምትሕብባር ተግባር ኢዩ ኢሎም፣ ብዝሒ ካቶሊካውያን 1% እኳ እንተኾነ ካሪታስ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ኣብ ቻይና ብዝርከብ ጨንፈሩ ገይሩ ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎን ሎሚ ኣብ ታይፐ በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ንዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ ቤቱ ክቕበሎምን ነቶም ዝተጎድኡ ምፍዋስ ክዕድሎምን ናይ ምድግጋፍን ምትሕባርን መንፈስ ክብ ክብል መታን በዚ ሓሳብ ዝተሰነየ ሥርዓት ጸሎት ከምእተፈጸመ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.